ኢትዮጵያ፣ 113 ሰባት ዝቐተለ ኩምራ ጎሓፍ ናብ ፓርክ ክልውጦ’የ ትብል

Radio Erena: 21 March 2017

Garbage 5

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከባቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘጋጠመ ምፍራስ ኩምራ ጎሓፍ፣ 113 ሰባት ከምዝሞቱ ብምርግጋጽ፣ እቲ ቦታ ናብ ፓርክ ክልውጦ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ሰበ ስልጣን እታ ከተማ፣ እቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ናብ ግዝያዊ ቦታ ከምዝገዓዙ ብምጥቃስ፣ ድሕሪ ደጊም ኣብቲ ኩምራ ጎሓፍ ዝነብር ሰብ የለን ክብል ሓቢሮም።

ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነገሪ ሌንጮ ብወገኑ፣ ጠንቂ ምፍራስ እቲ ኩምራ ጎሓፍ ኣብ ምጽራይ ከምዘሎ ገሊጹ።

እቲ ብ11 መጋቢት ዘጋጠመ ሓደጋ ምፍራስ ኩምራ ጎሓፍ፣ ኣብቲ ከባቢ መነባብርኦም ኣብ ልዕሊኡ ዝመስረቱ ኣማኢት ሰባት ሓደጋ ከውርድ እንከሎ፣ ዛጊት ተረኺቡ ብዘሎ ሬሳ መብዛሕትኦም ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም 113 ሰባት ሞይቶም።

ገና ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ከምዘሎ’ውን ናይ ዓይኒ መሰኻክር ካብቲ ቦታ ንማዕከናት ዜና የመልክቱ።

እዚ ኣብ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ቁጠዐ ፈጢሩ ዘሎ ሓደጋ ኩምራ ጎሓፍ፣ ተቓወምቲ መንግስቲ ንፖለቲካዊ ረብሓታት ይጥቀምሉ ከምዘለዉ’ውን ይንገር።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0