ኢትዮጵያ፣ ግጭት ብሄራት ብረት ብዝዓጠቑ ጉጅለታት ይቕጽል

Radio Erena: 05 May 2019

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ብሄራት ዝተወለዐ ግጭት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ብፍላይ ኣብዚ ሓድሽ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት፣ ኣብ ዞባታት ኣምሓራ፣ ዓፈርን ቤንሻንጉልን ዝተኻየደ ሓድሕድ ምጥቕቓዕ፣ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተነጸረ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ቅድሚ ሰሙን ዝጀመረ ግጭት፣ ናብ ዝኸፈአ መልክዑ ንኽሰጋገር ካብ ዝደረኹ ጉዳያት ሓደ፣ ብረት ዝዓጠቑ ምልሻታትን ጉጅለታትን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ መጥቃዕቲ የውርዱ ምህላዎም ሙዃኑ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ከምዝገለጹ ‘ዘ ሪፖርተር’ ኣመልኪቱ።

ሓላፊ ፖሊስ ምምሕዳር ቤንሻንጉል ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ፖሊስ ነቲ ግጭት ንምህዳእ ኣብ ዝተዋፈሩሉ ውልቀሰባት ብረቶም ከሕድጉዎም ስለዝጀመሩ ጎነጻዊ ምላሽ ክህቡ ከምዝተገደዱ ኣመልኪቱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ካብ ደብረብርሃን ናብ ትግራይ ዘምርሕ ዝነበረ ጉጅለ ስፖርታውያን ብረት ካብ ዝዓጠቑ ተወላዶ ዓፋር ብወረዶ መጥቃዕቲ፣ ሓደ ስፖርታዊ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ተገሊጹ።

እቲ ከባቢ ብብዝሒ ዒሳ ናይ ሶማል ዝነብሩዎ ዞባ ዓፋር ክኸውን እንከሎ ኣብ መንጎ’ዞም ክልተ ብሄራት ካብ 2014 ኣትሒዙ ናይ ይግበኣኒ’ዩ ግርጭት ከምዝጸንሐ ምንጭታት ዜና የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0