ኢትዮጵያ፣ ግብጺን ሱዳን፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ዝፈሸለ ዘተ ኣጠቓቕማ ናይል ብምትኳር፣ ኣብ ዋሽንግተን ህጹጽ ኣኼባ ከካይዳ’የን

Radio Erena: 13 January 2020

ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ፣ ግብጺን ሱዳንን፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝፈሸለ ዘተ ኣብ ኣጠቓቕማ ናይል ብዝምልከት፣ ዝርርብ ንምክያድ፣ ሎሚ ሰኑይ 13 ጥሪ፣ ኣብ ዋሽንገተን ህጹጽ ኣኼባ ከካይዱ ምዃኖም ማዕከናት ዜና ካብ ካይሮ ሓቢረን።

ኣብቲ ብሚኒስተራት ዝተወከለ ህጹጽ ርክብ ሰለስትኤን ሃገራት፣ ሰበ ስልጣን ዋሽንግተንን ባንክ ዓለምን’ውን ክሳትፉ ምዃኖም ተሓቢሩ።

እቲ ህጹጽ ኣኼባ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ትራምፕ ከምዝተወደበ’ዩ ዝንገር ዘሎ።

ኣቐዲሙ’ውን እዘን ሃገራት፣ ናብ ናይ ዘተ መኣዲ ክምለሳንን ባንክ ዓለምን ሰበ ስልጣን ዋሽንግተንን ክጽንበርዎን ምምሕዳር ትራምፕ ጸቕጢ ከምዝገበረ’ዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ እቲ ብጸቕጢ ምምሕዳር ትራምፕ ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ፣ ዝሓለፍ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገበሮ ወሳኒ ርክብ እወታዊ ውጽኢት ከይተረኽቦ’ዩ ፈሺሉ።

እቲ ዘተ ዝፈሸለ፣ ግብጺ ፣ እቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከባቢ ናይል እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶ፣ ማይ ዝመልኣሉ ናይ ግዜ ገደብ ዘቕረበቶ ዓመታት ንረብሓ ግብጺ ዝሃሲ’ዩ ክትብል እንከላ፣ ኢትዮጵያ ብወገና፣ ግብጺ ኣብዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዘተ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ ሓድሽቲ ቅድመ ኩነታት ከምዘቅረበት’ያ ትወቅስ።

ምምሕዳር ትራምፕ፣ ኣብዚ ንኻልኣይ ግዜ ጸዊዕዎ ዘሎ ዘተ ሰለስቲኤን ሃገራት፣ ክሳብ 15 ጥሪ መፍትሒ ክርከበሉ ጸቕጢ ዝገብር ዘሎ።

ሱዳን፣ ቅድሚ’ዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ርክብ፣ ኣብ ኣጠቓቕማ ናይል ምስ ናይ ግብጺ ዝመሳሰል መርገጺ ከምዘለዋ ቀዳማይ ሚኒስተራ ዓብደላ ሓምዶክ ኣቐዲሙ ገሊጹ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሲሪል ራማፎሳ፣ ንኢትዮጵያን ግብጽን ኣብ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ኢዱ ክሕውስ፣ ኣብታ ሃገር ዑደት ዘካየደ ቀዳመይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ጸዊዑ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0