ኢትዮጵያ፣ ዞባዊ መንግስቲ ትግራይ ናይ ገዛእ ርእሱ ኮሚሽን ምርጫ ኣቚሙ

Radio Erena: 20 July 2020

ዞባ ትግራይ ናይ ኢትዮጵያ፣ በይናዊ ምርጫ ንምክያድ ዘኽእሎ ኮሚሽን ምርጫ ኣቚሙ።

ባይቶ ናይቲ ዞባ፣ ብዕለት 16 ሓምለ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፣ ኮሚሽን ምርጫ ብሓሙሽተ ኣባላት ቦርድ ከምዝቐውም ገይሩ። ኮሚሽነርን ምኽትልን ብምምራጽ ከኣ፣ ስርሑ ክጅምር ምዃኑ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ከምዝፍለጥ ፈደራላዊ ኮሚሽን ምርጫ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፣ ሓፈሻዊ ምርጫ’ታ ሃገር ንዘተፈልጠ ግዜ ተናዊሑ ኣሎ ብምባል፣ ወከልቲ ህዝብን ቀዳማይ ሚኒስተርን ዝርከቦም ኩሎም ሰበስልጣን’ታ ሃገር ኣብ ስርሖም ከምዝቕጽሉ ገይሩ’ዩ።

ዞባዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ዋላ ኣብ ካልእ ዞባታት’ታ ሃገር ኣይካየድ፣ ንበይኑ ምርጫ ከካይድ ብምውሳኑ፣ ንፈደራላዊ ኮሚሽን ምርጫ ግዚያዊ ዞባዊ ቦርድ ከዳልወሉ ሕቶ ኣቕሪቡ።

እንተኾነ እቲ ፈደራላዊ ኮሚሽን ምርጫ፣ ብዕለት 24 ሰነ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብ ትግራይ ዝግበር ምርጫ ሕጋውነት ከምዘይብሉ ብምፍላጥ፣ ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ከምዘይገብር እዩ ኣፍሊጡ።

ነዚ መግለጺ’ዚ ብርጋጽ፣ ዞባዊ መንግስቲ ትግራይ በይናዊ ምርጫ ከካይድ ዘኽእሎ ኮሚሽን ምቛሙ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብታ ሃገር ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ዓሌት ዝመንቀሊኡ ሕንፍሽፍሽ፣ ካልእ ፖለቲካዊ ወጥሪ ከይፈጥር ስግኣት ኣሎ።

ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብዙሓት ሃገራት ዓለምና፣ መዲበንኦ ዝነበራ ምርጫ ኣናዊሐን እኳ እንተኾና፣ ኣብቲ ዝመደበኦ ናይ ኣማራጺ ግዜ ግና በብዝጥዕመን መንገዲ ዘካየዳ ከኣ ብዙሓት እየን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0