ኢትዮጵያ፣ ዝተፈትሑ ጋዜጠኛታት እንደገና ተኣሲሮም

ኢትዮጵያ፣ ዝተፈትሑ ጋዜጠኛታት እንደገና ተኣሲሮም

Radio Erena: 27 March 2018

ethiopia

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ተቓውሞታት ብምሕረት ካብ ዝፈትሖም ጋዜጠኛታት ብሰንበት 25 መጋቢት ደጊሙ ከምዝኣሰሮም ማዕከናት ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሮም።

እቶም ፖለቲከኛታት’ውን ዝርከብዎም ብውሕዱ 15 ሰባት፣ ደጊሞም ዝተኣስርሉ ምኽንያት እኳ እንተዘይተነጸረ፣ ተኣዊጁ ንዘሎ ናይ ህጹጽ እዋን ድንጋጌ ብምጥሓስ፣ ኣኼባ ኣካይድኩም ዝብል ምዃኑ ይጥቀስ።

እቶም እስክንድር ነጋን ተመስገን ደሳለኝን ዝርከብዎም ተኣሲሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታት፣ ኣብ ዝተዳለወሎም ናይ ምሳሕ ግብጃ ተኣኪቦም ኣብ ዝነበርሉ እዋን ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተወስዱ’ውን ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመሓላለፈ ጸብጻባት የረድእ።

ኢትዮጵያ፣ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ኣብ ኣፍሪቃ፣ ንኤርትራ ተኸቲላ ኣብ ካልኣይ ደረጃ’ያ ተሰሪዓ ትርከብ።

=======================

ርእይቶ

WORDPRESS: 0