ኢትዮጵያ፣ ዝሓለፈ ቅንያት ዝተገፈፉ ልዕሊ ሓደ ሽሕ መንእሰያት ክፍትሑ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ጸዊዑ

ኢትዮጵያ፣ ዝሓለፈ ቅንያት ዝተገፈፉ ልዕሊ ሓደ ሽሕ መንእሰያት ክፍትሑ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ጸዊዑ

Radio Erena: 27 September 2018

 eth mass arrestኣብ ኢትዮጵያ፣ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት’ዚ ዝተገፈፉ ልዕሊ 1,200 መንእሰያት ክፍትሑ ኣምነትስ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ንኮሚሽነር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፣ ብድምር ኣስታት 3 ሽሕ ሰባት እኳ እንተተኣስሩ፣ እቶም 174 ክሲ ክምስረተሎም እንከሎ እቶም 1200 ድማ ጦላይ ናብ ዝተባህለ ወትሃደራዊ መዓስከር ተላኢኾም፣ ኣብ ተሃድሶ ክጸንሑ’ዮም።

ኮሚሽነር ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ በልማማ ግፋ መንእሰያት ተኻይዱ ንዝብል ሓበሬታ ግጉይ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ እቶም ዝተኣስሩ ኣብ ናዕብን ዕግርግርን ክዋፈሩ ዝጸንሑ ምዃኖም ገሊጹ።

ይኹን’ምበር እዞም ካብ ጎደናታት ተገፊፎም ዝተኣስሩ መብዛሕቶም መንእሰያት ዝኾኑ ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ ዝኾነ ክሲ ከምዘይተመስረተሎምን፣ ፖሊስ ንምእሳሮም ዝተጠቕመሉ ኣገባብ ሕጋዊ መስርሕ ከምዘይተኸተለን ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ይወቕሱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገሩ፣ ንደሞክራሲን ሰናይ ምሕደራን ዝሕግዙ ናይ ለውጢ ተበግሶታት ይወስድ እኳ እንተሎ፣ ሰላምን ጸጥታን ሓያሎ ክልላት እታ ሃገር ግና ከውሕስ ኣይክኣለን።

ብሰንኩ ድማ ተደጋጋሚ ግጭታት፣ ናዕብን ቅትለትን ክፍጸም ይርአ ኣሎ።

================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0