ኢትዮጵያ፣ ዕጡቓት ኣምሓራ ኣብ ክልል ኦሮሞ ልዕሊ 60 ሰባት ከምዝቐተሉ ተገሊጹ

Radio Erena: 09 September 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮሞ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 60 ሰለማውያን ሰባት ብዕጡቓት ከምዝተቐትሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

ልዕሊ 70 ሰባት ‘ውን ብከቢድ ፎኪስን ቆሲሎም።

ሓያሎ ኣባይቲ ክቃጸል እንከሎ፣ ብርክት ዝበላ ከብትን ጤሌበጊዕን ተዘሚተን።

እቶም ኣብ ወለጋ፣ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ዝተቐትሉ ሰባት ብሙሉኦም ተወላዶ ኦሮሞ ምዃኖም ዘመልከተ እቲ ኮሚሽን፣ ብዕጡቓት ኣምሓራ ምቕታሎም ግና ከረጋግጽ ከምዘይክኣለ፣ ብ05 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

መግለጺ እቲ ኮሚሽን ብተወሳኺ፣ እቲ ንክልተ መዓልታት ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ትሽዓተ ከባቢታት ናይቲ ዞባ ንዝነብሩ ተወላዶ ኦሮሞ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ዝተፈላለዩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ብዝዝርግሕዎ ዘለው ርእይቶ፣ እቲ መጥቃዕቲ ብዕጡቓት ኣምሓራ ከምዝተፈጸመ ይወቕሱ።

ዕጡቓት ኦሮሞ ብወገኖም ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኣምሓራ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ክወስዱ ከምዝኽእሉ መጠንቀቕታታት ይቐርብ ኣሎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፣ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ተጸሚዱ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ካልእ ክልላት፣ በብእዋኑ ንዝጓሃሀር ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት ክገትእን ድሕነት ዜጋታቱ ከውሕስን ዘይምኽኣሉ ዝተፈላለዩ ሲቪካውያን ማሕበራትን ፖለቲካውን ውድባትን ይነቕፉ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0