ኢትዮጵያ፣ ክልል ዓፈር ዝተኸስተ ወጥሪ ናብ ጅቡቲ ከይልሕም ተሰጊኡ

ኢትዮጵያ፣ ክልል ዓፈር ዝተኸስተ ወጥሪ ናብ ጅቡቲ ከይልሕም ተሰጊኡ

Radio Erena: 16 January 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ዓፈር ካብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣትሒዙ ዝተኸስተ ወጥሪ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ከምዘይሃድአ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይጠቕሱ።

ብሰንኪ’ቲ ኣብቲ ክልል ዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ናብ ክልል ትግራይን ማእከል ኢትዮጵያን ዝወስድ መንገዲ፣ ንክልተ መዓልታት ተዓጊቱ ከምዝጸንሐ ‘ዩ ዝሕበር።

ብፍላይ እቲ ምስ ወደብ ጅቡቱ ዘራኽብ መስመር ምዕጻዉ፣ ጽዕነት ዘመላልሳ ዓበይቲ መካይን ከይሓልፈ ተኸልኪለን’የን ጸኒሐን።

ጠንቂ’ቲ ምዕጋት መንገድታት፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ብሄራትን ዓፈርን ዒሳን ዝተጋጨውሉ ከባቢታት ድሕሪ ምውፋሩ ከምዝተላዕለ’ዩ ዝግለጽ።

ብረት ዝዓጠቑ ተወላዶ ዓፈር፣ ካብቲ ኣዝጊቦምሉ ዝጸንሑ ከባቢታት ብሰራዊት ኢትዮጵያ ክወጹ ድድሕሪ ዝተዋህቦም ትእዛዝ ድማ’ዩ፣ ህዝቢ እቲ ከባቢ፣ ተቓውሞኡ ንምግላጽ ካብቲ ክልል ናብ ትግራይን ማእከል ኢትዮጵጵያን ዝወስድ መንገድታት ዝዓጸዎ።

ተዓጽዩ ዝነበረ መንገድታት ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸፊቱ እኳ እንተሎ፣ ኣብቲ ክልል ዝተፈጥረ ወጥሪ ግና ከምዘይሃድአ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብማሕበራዊ ሜድያታት ኣብ ዘመሓላልፍዎ ዘለዉ መልእኽታት የመልክቱ።

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ፣ መንጎ ብሄራት ዓፈርን ዒሳን ዝተኸስተ ግጭታት ናብ ጅቡቲ’ውን ከይልሕም ተሰጊኡ ኣሎ።

ኣብ ጅቡቲ ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስትን ሰራዊቱን፣ ካብ ብሄር ዒሳ ዝተዓብለለ ምዃኑ፣ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ዓፈር መጥቃዕታት ክፍጸም ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣታት ከምዘሎ፣ ኣብ ፓሪስ ዝመደበሮም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ‘ታ ሃገር የተሓሳስቡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0