ኢትዮጵያ፣ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ፣ ልዕሊ 24 ሰባት ከምዝተቀትሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣረጋጊጹ

Radio Erena: 19 July 2021

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝቕጽል ዘሎ ግጭት ልዕሊ 24 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ዞባታት መተከልን ከማሽን ኣብ ዝርከብ ክልተ ከባቢታት ዝተኻየደ ግጭት፣ ኣሽሓት ሰባት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ከምዘለዉ መግለጺ ናይቲ ኮሚሽን ጠቒሱ።

ጠንቒ’ቲ ግጭት፣ ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ኣብቲ ክልል ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት፣ ብዝኸፈትዎ ቶኽሲ ከምዝተወልዐ’ዩ ተመልኪቱ።

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ናብቲ ግጭት ዝተኻየደሉ ከባቢትታ ከምዝተዋፈሩ ይንገር እኳ እንተሎ፣ ጸጸኒሑ ቶኽሲ ይስምዕን፣ ከቢድ ወጥሪ ድማ ሰፊኑን ከምዝርከብን ንናይ ዓይኒ መሰኻክር ብምውካስ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢረን።

ዲጋ ተሃድሶ ዝርከበሉ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ፣ ጸጸኒሑ ብዝነቱግ ዘሎ ግጭታት፣ ኣማኢት ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ 10ታት ኣሽሓት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ክልል ብፍላይ ኣብ ዞባ መተከል ዝተወልዐ ግጭታት ከምዝሃደአን፣ ዝተፈናቐሉ ድማ ናብ ቤት ንብረቶም ይመልስን ከምዘሎ ክገልጽ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ግጭት ዳግማይ ተጎሃሂሩ ዘሎ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0