ኢትዮጵያ፣ ካብ ወጻኢ ዝመጽኡ ገያሾ፣ ከየመዝገቡ ሒዞሞ ክኣትዉ ዝፍቀድ ገንዘብ ናብ 10 ሽሕ ዶላር ክብ ኢሉ

Radio Erena: 12 September 2022

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ወጻኢ ዝኣትዉ ገያሹ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ከየመዝገቡ ሒዞሞ ክኣትዉ ዝኽእሉ ገንዘብ 10 ሽሕ ዶላር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ብዘውጽኦ ሓድሽ ኣዋጅ መሰረት፣ ኣቐዲሙ ካብ ወጻኢ ዝኣትዉ ገያሾ ክሕዝዎ ዝፍቀድ ብዝሒ ገንዘብ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ሽሕ ጥራይ’ዩ ኔሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ቀዋሚ መንበሪ ዘለዎ ዝኾነ ሰብ ካብ ወጻኢ ገይሹ ኣብ ዝምለሰሉ፣ ብዝሒ ሒዝዎ ክኣቱ ዝፍቀድ ገንዘብ ኣርባዕተ ሽሕ ዶላር’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ካብ ኢትዮጵያ ዝወጻእ ይኹን ናብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ዝኾነ ሰብ፣ ክሕዞ ዘለዎ ብዝሒ ብር ኣብ ሰለስተ ሽሕ ተደሪቱ ኣሎ።

እዚ ግና ካብን ናብን ጂቡቲ ዝመላለሱ ሰባት ኣይምልከትን’ዩ።

ዝበዝሐ ናይ ወደብ ኣገልግሎታት ኣብ ጂቡቲ ተሓጹሩ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብዛ ጎረቤት ሃገር ንዝመላለሱ ሰባት፣ ክሳብ 10 ሽሕ ብር ሒዞም ክንቀሳቐሱ ከምዝኽእሉ ገሊጹ።

ገያሾ ብዝሒ ናብ ኢትዮጵያ ሒዞሞ ክኣትው ዝኽእሉ ገንዘብ ናብ 10 ሽሕ ዶላር ክብ ደኣ ይበል እምበር፣ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ፣ ከም ዶላርን ኤውሮን ዝኣመሰለ ናይ ወጻኢ ባጤራ፣ ከም ህያብ ይኹን ካልእ ናይ መተዓዳደጊ መንገዲ ክጥቀም ዝተረኽበ ሰብ ብሕጊ ከምዝቕጻዕ እቲ ባንክ ኣጠንቂቑ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0