ኢትዮጵያ፣ ‘’ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ክትስሕብ’ያ’’

Radio Erena: 28 March 2021

ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ክትስሕብ ምዃና፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ድሕሪ ናይ ኣስመራ ዑደቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሰራዊት ኤርትራ ብቕጽበት ካብ መሬት ትግራይ ወጺኡ፣ ተቖጻጺሩዎ ዝጸንሐ ከባቢታት ከኣ ብወተሃደራት ፈደራል ክትካእ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
እዚ ብቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝተዋህበ መግለጺ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዝገበረቶ ጸቕጢ ከምዝኾነ፣ ዲፕሎማስያዊያን ምንጭታት የመልክቱ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ናይ ኣሉታ ምላሽ ክህብ ድሕሪ ምጽንሑ ዝሓለፈ ሰሙን እዩ ተኣሚኑ።
ምምሕዳር ባይደን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓያል ጸቕጢ ክገብር ከምዝጸንሐ ዘመልከቱ ምንጭታት፣ ነቲ ጉዳይ ክከታተል ዝተመዘዘ ሰኔተር ክሪስ ኩንስ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ ድሕሪ ምፍጻሙ ሒደት መዓልታት ጸኒሑ እዩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካዪዱ።
ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ናይ መጀመሪያ ደረጃ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ተቖጻጺሩዎ ዘሎ ከባቢታት ምስ ዝስሕብ እዩ ክብሉ ሓያሎ ኣካላት ማሕበረሰብ ዓለም ጻውዒቶም ከቕርቡ ጸኒሖም እዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0