ኢትዮጵያ፣ ኣብ ድሮ በዓል ኢሬቻ ልዕሊ 500 ሰባት ተኣሲሮም

Radio Erena: 05 October 2020

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ድሮ በዓል ኢሬቻ ናዕብን ዕግርግርን ከለዓዕሉ ይኽእሉ’ዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ልዕሊ 500 ሰባት ከምዝተኣስሩ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምስ ስግኣት ናዕቢን ዕግርግርን ኣማኢት ሰባት ብጅምላ ክኣስር እዚ ናይ ፈለማ ኣይኮነን።

ድምጻዊ ኦሮሞ ሃጫሉ ሁንዴሳ ድሕሪ ምቕታሉ ኣብ ዝተላዕለ ናዕብን ዕግርግርን’ውን ልዕሊ 2 ሽሕ ሰባት ከምዝተኣስሩ ጸብጻባት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ምግላጾም ኣይርሳዕን።

እዞም ሕጂ ኣብ ክልል ኦሮምያ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣማኢት ሰባት ድማ፣ ዓመታዊ ኣብ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ዝጽንበል በዓል ኢሬቻ፣ ዕግርግር ንምፍጣርን ናዕቢ ንምውላዕን ውዲት ዝነበሮም ምዃኖም’ዩ ተጠቒሱ።

ኢትዮጵያ፣ ብፖለቲካን ካልእን ብምስባብ ዜጋታት ብብዝሒ ብምእሳር ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ቦታ ሒዛ ትርከብ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0