ኢትዮጵያ፣ ኣብ ደቡባዊ ክልል ኣምሓራ፣ ናይ ህጹጽ እዋን ተኣዊጁ

Radio Erena: 20 April 2021

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ደቡባዊ ክልል ኣምሓራ ዝጀመረ መጠነ-ሰፊሕ መጥቃዕታትን ግጭታትን እናዓረገ ብምምጽኡ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ።

መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብቲ ክልል ብዘይካ’ቲ ኦነግ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕታት፣ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ቅማንትን ተወላዶ ኣምሓራን’ውን ግጭታት ብምኽሳቱ፣ ኣብ ትሕቲ ወትሃደራዊ እዚ ክጸንሕ ወሲኑ ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ፣ ሰለማዊ ሰልፊ ምክያድ፣ ጠበናጁ ሒዝካ ምንቅስቓስ ይኹን መንገድታት ምዕጻው ንዘይተወሰኑ እዋን ተኸትኪሉ ክጸንሕ ምዃኑ’ውን መግለጺ መንግስቲ ኣነጺሩ።

ናብቲ ኵናት ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢታት፣ ተወሳኺ ሓይልታት ኣዋፊሩ ከምዘሎ ዝገለጸ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ናይ ምርግጋእ ወፈራ ከካይድ ምጅማሩ ጠቒሱ።

ይኹን’ምበር፣ ሓይልታት ናይቲ ብኦነግ-ሸኔ ዝፍለጥ፣ ንናጽነት ኦሮሞ ዝቓለስ ግንባር፣ ኣብ ሰሜን ሸዋን ካልእ ናይ ኦሮሞ ምዃኑ ዝጣበቐሉ ዞባታት ክልል ኣምሓራን ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ብዝልዓለ ናህሩ ይቕጽል ከምዘሎ ንናይ ዓይኒ መሰካኽር ብምጥቓስ ምንጭታት ዜና ሓቢረን።

ዛጊት ቁጽሮም ዘይተፈልጡ ሰባት ከምዝሞቱን ሓያሎ ቁሸታት ድማ ብሓዊ ከምዝተቓጸላን ዝሓበሮም እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፣ ኣሽሓት ሰባት፣ ህይወቶም ንምድሓን፣ ቤት ንብረቶም ራሕሪሖም ይሃድሙ ምህላዎም ኣፍሊጦም።

ብቀዳም 17 ሚያዝያ፣ ኣጣዩ ብዝተባለት ከተማ ዝፈለመ መጥቃዕቲ ኦነግ-ሸኔ፣ ብውሕዱ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከባ ኣርባዕተ ዓድታት ከምዝልሓመይግለጽ ኣሎ።

ብዘይካ’ቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዘካይዶ ዘሎ መጠነ ሰፊሕ ግጭታት፣ ኣብ መንጎ ካልኦት ብሄርት’ውን ተመሳሳሊ ምትፍናንን ወጥሪን ይርአ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ኣመልኪቶም።

ኣቐዲሙ፣ ኣብ መንጎ ክልላት ዓፈርን ሶማልን ዝተወልዐ ናይ ብሄር ግጭት ንምህድኡ ይሰርሕ ከምዘሎ ዝገለጸ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ብወገን መተማ፣ ኣብ መንጎ ቅማንትን ኣምሓራን ንዝተፈጠረ ረጽሚ መዕለቢ ክግበረሉ ይጽዕር ምህላዉ ገሊጹ።

ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚሙ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን መጥቃዕታት ንዘካይድ ዘሎ ኦነግ፣ ብህውሓት ከምዝድገፍ ይወቕስ።

ምርጫ ንምክያድ ኣስታት ሓደ ወርሒ ጥራይ ተሪፉዋ ኣብ ዘሎ ኢትዮጵያ፣ ጸጸኒሑ ዝነቱግ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት፣ ምስቲ ምርጫ ተተሓሒዙ ክንህር ከምዝኽእል ስግኣታት ኣሎ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0