ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዩኒቨርስታት ብዝተጓሃሃረ ግጭት፣ ህይወት ሰባት ምጥፋእ ይቅጽል

Radio Erena: 03 January 2020

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ክልላት ኣብ ዝርከባ ዩኒቨርስታት ብዝተጓሃሃረ ግጭት፣ ህይወት ሰባት ምጥፋእ ይቅጽል ኣሎ።

በዚ መሰረት፣ ብሓሙስ 2 ጥሪ፣ ኣብ ወሎ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዝተወልዐ ግጭት፣ ሓደ ተማሃራይ ክቕተል እንከሎ ክልተ ድማ ከምዝቖሰሉ ዶቼቬለ ኣቃሊሑ።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ድሬዳዋ ብዝተሳበበ ግጭት፣ ሓደ ሰብ ድሕሪ ምቕታሉን እቲ ናዕቢ እናበኣሰ ብምኻዱን፣ ምእንቲ ድሕነት ተማሃሮ፣ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንዘይተወሰነ እዋን ተዓጽዩ ክጸንሕ ምምሕዳር ከምዝወሰነን ዘ ሪፖረትር ገሊጹ’ዩ።

እቲ ኣብ ድሬዳዋ ዝተጓሃሃረ ግጭት፣ ናብ ዩኒቨርስታት ወለጋ፣ ጊምቢ፣ ሻምቡና፣ ነቐምትን ካልኦት ካምፓሳትን ከምዝልሓመ’ውን እቲ ምንጪ ኣረዲኡ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ካብ ዝርከባ 45 ዩኒቨርስታት፣ ብውሕዱ ኣብተን 25 ናይ ብሄር ግጭታት ምኽሳቱ ሚኒስተር ሳይንስን ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትን ፕሮፌሰር ሂሩት ወልደማርያም፣ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ 2019 ምግላጻ ኣይርሳዕን።

ኣብ ዩኒቨርስታት ኢትዮጵያ፣ በብእዋኑ ኣብ ዝተጎሃሃረ ግጭት ሓያሎ ተማሃሮ ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ኮይኖም’ዮም።

እቲ ኣብ ዩኒቨርስታት እታ ሃገር ተጓሃሂሩ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት፣ ደው ክብል እንተዘይክእሉ፣ መንግስቲ ክሳብ ምዕጻወን ዝበጽሕ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣጠንቒቑ’ዩ።

ዝበዝሐ እቲ ናይ ብሄር ግጭታት ተኸሲትሉ ዘሎ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞ’ዩ።

ክልል ትግራይ፣ ድሕነትን ጸጥታን እታ ሃገር ክረጋጋእ ብዘይምኽኣሉ ፣ ተወላዶ እቲ ክልል ንዝኾኑ ተማሃሮ ኣብ ካልኦት ክልላት ናብ ዝርከባ ዪኒቨርስታት ከምዘይልኽ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0