ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኦሮምያ፣ 27 ሰባት ብዕጡቓት ተጨውዮም

Radio Erena: 02 November 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮምያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብውሕዱ 27 ሰባት ብዕጡቓት ከምዝተጨውዩ ተሓቢሩ።

ኣብ ናይ 12 ክፍሊ መልቀቒ ፈተና ወይ ማትሪክ ተሳቲፎም፣ ካብ ቤኒሻንጉል ጉምዝ፣ ከተማ ኣሶሳ ናብ ካሚሺ ንምእታው ብመኪና ይጓዓዙ ካብ ዝነበሩ 16 ተማሃሮ፣ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ብዕጡቓት ከምዝተጨውዩ ዶ ቸቬለ ንሰበ ስልጣን እቲ ዞባ ምጥቃስ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ካልእ ፍጻሜ ድማ፣ ኣብቲ ክልል፣ ዞባ ሰሜን ሸዋ፣ ዕጡቓት ን11 ኣገልገልቲ ሓንቲ ቤተክርስትያን ከምዝጨወዩ ፈነወ ዜና ኦሮቶዶክስ እታ ሃገር ኣመልኪቱ።

እቶም ዕጡቓት፣ ኣብ ከተማ ጉራቻ ናብ እትርከብ፣ ቤተክርስትያን ልደታ፣ ብ28 ጥቅምቲ ለይቲ ብምእታው፣ ኣብ ዝኸፈትዎ ቶኵሲ ንሓደ ደያቖን’ውን ከምዝቐተሉ እቲ ፈነወ ሓቢሩ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተፈጸመ ምጭዋይ 10ታት ሰባት ብዝምልከት ዛጊት ሓበሬታ ኣይሃበን።

ኢትዮጵያ፣ ሓንቲ ካብተን ድሕነትን ጸጥታን ዜጋታተን ከውሕሳ ዘይክእላን ሃገራት ዓለም ኮይና ምህላዋ ጸብጻብ ትካል ኣህጉራዊ ቅልውላው የገንዝብ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0