ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ኣብ ዝተጎሃሃረ ናይ ብሄር ግጭት ልዕሊ 100 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 23 December 2020

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ኣብ ዝተጎሃሃረ ናይ ብሄር ግጭት፣ ብውሕዱ 100 ሰባት ተቐቲሎም።

ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ናይቲ ክልል’ውን ብጅምላ ናይ ዝተቐትሉ ሰባት ሬሳ ይርከብ ምስ ምህላዉ፣ ብዝሒ ግዳያት ዓሌታዊ ግጭት ካብዚ ዘለዎ ክዛየድ ከምዝኽእል ይግለጽ።

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ፣ ጸጥታ ድሕሪ ምፍራሱ፣ መንግስቲ ናይ ምርግጋእ ስጉምቲ ከምዝወስድን ሓለፍቲ ናይቲ ክልል ድማ ካብ ስልጣኖም ክእለዩ ከምዝኽእሉን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ቦታ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ገሊጹ ኔሩ’ዩ።

ህልቂት ናይ ልዕሊ 100 ሰባት ዝስማዕ ዘሎ ድማ፣ ድሕሪ’ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብቲ ከባቢ ዘካየዶ ምብጻሕ’ዩ።

ቀንዲ ግዳያት ናይዚ ናይ ብሄር ግጭታት ተወላዶ ኣምሓራ ምዃኖም’ዩ ዝዝረብ ዘሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ክልላት ደቡብን ኦሮምያ፣ ምዕራብ ወለጋን’ውን ግጭታት ይቕጽል ከምዘሎ’ዩ ተመልኪቱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣተኩሮኡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ድሕሪ ምግባሩ፣ ኣብ ሓያሎ ክልላት ዝነበረ ሰራዊት ናብ ትግራይ ድሕሪ ምውፋሩ፣ ብፍላይ ኣብ ክልላት ቤንሻንጉል ጉምዝን ደቡብን ዝጸንሐ ምትፍና ናብ ግጭት ዓሪጉ ይርአ ኣሎ።

ነዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ናይ ብሄር ግጭታት ተሸሚማ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ታሪኽ ዓሌታዊ ህልቂት ርዋንዳ ብዝኸፍአ መልክዑ ክትደግሞ ከምእትኽእል’ዩ ሓያሎ ወገናት ስግኣቶም ይገልጹ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0