‘ኢትዮጵያ፣ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ፣ ልዕሊ 145 ሰባት ብዕጡቓት ተጨውዮም’

Radio Erena: 03 October 2021

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ቤንሻንጉል፣ ዞባታት መተከልን ካማሺን፣ ብውህዱ 145 ሰባት ብዕጡቓት ተጨውዮም ክብል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ኣቃሊሑ።

እቶም ካብ 21 መስከረም ኣትሒዞም ተጨውዮም ዘለዉ ኢትዮጵያውያን፣ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ኮይኖም፣ ‘ዕጡቕ ምንቅስቓስ ጉምዝ’ ተባሂሉ ብዝፍለጥ ጉጅለ ከምዝተታሕዙ መግለጺ ናይቲ ኮሚሽን ሓቢሩ።

እቶም ዕጡቓት፣ ሴዳል ናብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ቁሸታታት ብምእታው፣ ሰባት እናመረጹ ክእክቡ ኣብ ዝፈተንሉ፣ ብዙሓት ሃዲሞም ኣብ ጎረባብቲ ዓድታት ዑቕባ ሓቲቶም ይርከቡ።

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል፣ ብፍላይ ኣብ ዞባ መተከል፣ ኣብዚ ክልተ ዓመታት ብዝካየድ ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት፣ ኣሽሓት ክቕተሉ እንከለዉ 10ታት ኣሽሓት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም’ዮም።

ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚሙ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሓያልታት ጸጥታኡ ብምውፋር ነቲ ክልል ከምዘረጋግኦ እኳ እንተገለጸ፣ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ካብ ምክያድ ግና ኣይዓረፈን።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዝርአ ዘሎ ተዳጋጋሚ ምፍራስ ጸጥታን መጥቃዕታትን፣ ብሱዳንን ህወሓትን ዝድገፉ ንዝበሎም ጉጅለታት ‘ዩ ዝወቕስ።

ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ምስ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝዳወብ ዞባ ኮይኑ፣ ምስ ሱዳንን ግብጽን ዘከራኽብ ዘሎ ዲጋ ተሃድሶ’ውን ኣብዚ ክልል እዚ’ዩ ዝህነጽ ዘሎ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0