ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ሶማል ብዝተጎሃሃረ ግጭት ብውሕዱ 30 ሰባት ተቐቲሎም

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ሶማል ብዝተጎሃሃረ ግጭት ብውሕዱ 30 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 07 August 2018

diredawa demoኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ሶማል ብዝተጎሃሃረ ግጭት ብውሕዱ 30 ሰባት ከምዝተቐትሉን ሓያሎ ከምዝቖሰሉን ምንጭታት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ካብ ዓርቢ 3 ነሓሰ ኣትሒዙ ዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ናይ ክልል ሶማልን’ዩ ተኻይዱ።

ብሰንኪ እቲ ግጭት ኣብ ከተማ ጅጅጋ ሸውዓተ ኣብያተ ክርስትያን ክቓጸላ እነከለዋ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ካብ መነባብርኡ ተመዛቢሉ ኣሎ።

ነቲ ዕግርግር ተጠቒሞም ሓያሎ ሰባት ኣብያተ ሸቐጥን ዱኳናትን ክዘምቱ ከምዝወዓሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንማዕከናት ዜና ሓቢሮም።

እቲ ግጭት ናይ ብሄርን ሃይማኖትን መልክዕ ሒዙ ከምዘሎ ዝገለጹ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ከኣ፣ ናብ ዝበኣሰ ደረጃ ከይዓረገ መንግስቲ ዝልዓለ ቆላሕታ ክገብረሉ ተላብዮም።

ኣብቲ ዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ዝተፈላለዩ ወገናት ክልል ሶማል ካብ ኢትዮጵያ ክንጸሉ ክሓቱ እንከለዉ፣ ካልኦት ወገናት ከኣ ካብ ኢትዮጵያ ምንጻል ሕጂ እዋኑ ከምዘይኮነ ይምጉቱ።

ነቲ ግጭት ዘጎሃሃረ ምኽንያት ብንጹር እኳ እንተዘይተፈልጠ፣ መበገሲኡ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ሶማልን ዝተኸስተ ዘይምስምማዕ ምዃኑ ይጥቀስ።

ኣቐዲሙ ኣብቲ ከባቢታት ኣብ መንጎ ተወላዶ ኦሮሞን ሶማልን ግጭታት ክካየድ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ።

ብሰንኪ እቲ ናይ ብሄር ግጭታት፣ ልዕሊ 700 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ከኣ ካብ መነባብርኦም ከምዝተመዛበሉ ይዝከር።

ኣብ ተመሳሳሊ ፍጻሜ፣ ብ5 ነሓሰ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ብዝተኸስተ ግጭት’ውን ሓያሎ ሰባት ከምዝሞቱን ከምዝቖሰሉን ተሓቢሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ወከልቲ ህዝቢ ክልል ሶማል ኣብ ዘካየድዎ ህጹጽ ኣኼባ፣ ኣመሓደርቲ ናይቲ ክልል ጠንቂ ግጭት ብምዃኖም ብዝቀልጠፈ ካብ ስልጣኖም ክእለዩ ዝብል መግለጺ ኣውጺኦም።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0