ኢትዮጵያ፣ ኣብ በዓል ጥምቀት፣ ብሰንኪ ምፍራስ ኣዕኑድን ግጭታትን ኣብ ህይወት ሰባት ጉድኣት በጺሑ

Radio Erena: 21 January 2020

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ጎንደር፣ ኣብ ዝካየድ ዝነበር በዓል ጥምቀት፣ ንገያሾ ከጽልል ዝቖመ ድንኳናት፣ ኣዕንዱ ብምፍራሱ፣ ብውሕዱ 9 ሰባት ከዝሞቱን 250 ሰባት ድማ ብከቢድን ፈኵስን ከምዝቖሰሉን ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኣረጋጊጸን።

ብካልእ ወገን ድማ ኣብ ሃረርን ሓያሎ ከባቢታት ክልል ኦሮሞን ኣብታ ዕለት ብዝተጎሃሃረ ምስ ብሄርን ሃይማኖትን ዝተተሓሓዘ ግጭት ኣስታት 20 ሰባት ቆሲሎም።

ጥምቀት ኣብ ኢትዮጵያ ንምብዓል ምድላዋት ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ እዋን፣ ብፍላይ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ክልል ኦሮሞ፣ እቲ ጽንበል ብባንዴራታት ኢትዮጵያ ዘንጸባረቐ ከይከውን ካብ ሓያሎ ወገናት እቲ ክልል መጠነቐቕታታት ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።

ብኣንጻር እዚ ድማ፣ ኣብ ጎንደር፣ እቲ በዓል ብባንዴራታት ኢትዮጵያ ዘንጸባረቐ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንኤርትራ ዝሓወሰ ካርታ ኢትዮጵያ ፈቐድኡ ክርአ ውዒሉ።

እቲ ንኤርትራ ዝጸንበረ ምርኢት ካርታ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ቅድሚ’ቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ወኪሉ ኣብ ጎንደር ንዝተኻየደ ጽምብል ዝተሳተፈ ሚኒስተር ትምህርቲን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትይጵያን ኣቶ ሰመረ ርእሶም ብምዃኑ፣ ንሓያሎ ኤርትራውያን ኣቖጢዑ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ድሕሪ’ቲ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝገበርዎ ርክብ፣ ንኤርትራ ዝሓወሰ ካርታ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ወግዓውን ዘይወግዓውን ኣጋጣሚታት ምርኣይ ዝውትር ኮይኑ ኣሎ።


==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0