ኢትዮጵያ፣ ኣብ ምምላእ ማይ ዲጋ ተሃድሶ ብግብጺ ንዝቐረበ እማመታት ነጺጋቶ

Radio Erena: 19 September 2019

ኢትዮጵያ፣ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶ፣ ካብ ናይል ብዝፈሰሰ ማይ ዝመልኣሉ መስርሕ፣ ብግብጺ ንዝቐረበ እማመታት ነጺጋቶ።

እቲ እማመታት፣ ንኢትዮጵያ፣ ካብቲ ብከርሲ መሬታ ዝሓልፍ ወሓዚ፣ ምሉእ ብምሉእ ከይትጥቀም ዝዕንቅጽ’ዩ ክትብል’ያ ተቓዊማቶ።

ኢትዮጵያ፣ እቲ ዲጋ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ዘሎ ግዜ ክመልእ መደብ ክህልዋ እንከሎ፣ ግብጺ ግና፣ እቲ ዲጋ፣ ናብ ግብጺ ዝፈስስ ማይ ናይል ብዘይንኪ መልክዑ ክትመልኦ’ያ እማመታት ኣቕሪባ።

ብሰንኪ እዚ ድማ፣ ሚኒስተራት ሃብቲ ማይ ኢትዮጵያ፣ ግብጺን ሱዳንን ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ ካይሮ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ምምኽኻር ኣኼባ ብዘይፍረ ተበቲኑ።

ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ድሕሪ ዘጋጠመ ናይ መንግስታት ምግምጣል፣ ኣቐዲሙ ተዓንቒፉ ዝጸንሐ ጉዳያት ኣጠቓቕማ ናይል፣ ክውንዘፍ’ዩ ዝብል ተስፋታት ኣሕዲራ ዝጸንሐት ግብጺ፣ ብመርገጺ ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘይተሓጎሰት ዲፕሎማሰኛታት የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0