ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣስታት 350 ሚልዮን ፈልሲ ተተኺሉ

Radio Erena: 02 August 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝተኻየደ ዘመተ ሓምላይ ወፍሪ፣ ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣስታት 350 ሚልዮን ፈልሲ ከምዝተተኽለ ንወግዓዊ መግለጺ መንግስቲ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቲ ብወፈራ ብደረጃ ሃገር ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተተኽለ ብዝሒ ፈልሲ፣ ክብረ ወሰን ዓለምና ምስባሩ’ዩ ተነጊሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብከላ ኣከባቢን ምብራስ ኣግራብን ብምምካት፣ ከም ደርቂ ዝኣመሰለ ባህራዊ ሓደጋታት ምክልኻል ይከኣል’ዩ ካብ ዝብል መርሒ ውሳኔ’ዩ ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣስታት 200 ሚልዮን ፈልሲ ንምትካል ውጥን ኣቕሪቡ።

እንተኾነ ኣብቲ ብሰኑይ 29 ሓምለ፣ ብደረጃ ሃገራት ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ወፍሪ፣ እቲ ዝተተኽለ ፈልሲ ካብ ዝተወጠነ ንላዕሊ ኮይኑ፣ ኣስታት 350 ሚልዮን ምብጽሑ ተሓቢሩ።

ይኹን’ምበር እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተነግረ ብዝሒ፣ ኣዝዩ ዝተጋነነ’ዩ ዝብሉ ወገናት እታ ሃገር ኣለዉ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0