ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኣምሓራ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ደው ክብል ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፍታት ተኻይዱ

ዕRadio Erena: 20 April 2021

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኣምሓራ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕታት ደው ክብል ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፍታት፣ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ተኻይዱ።

እዚ ኣብ ከተማታት ደሴ፣ ባህርዳር፣ ደብረ ማርቖስ፣ ወልድያን ካልእ ከተማታትን ብ20 ሚያዝያ ዝተኻየደ፣ 10ታት ኣሽሓት ተወላዶ ኣምሓራ ዝሳተፍዎ ሰልፍታት፣ ድሕሪ’ቲ ኣብቲ ክልል፣ ዝካየድ ዘሎ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕታት ዝተጸውዐ’ዩ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ሰልፍታት፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝቓወም ዝተፈላለየ ጭርሖታት’ውን ኔሩ፡

ገለ ካብቲ ጭርሖታት፡ ‘ኣብይ ኣሕመድ፡ ንኢትዮጵያ የፍርሳ ኣሎ፡’ ‘ኣብ መንጎ ብሄራት ዝካየድ ዘሎ ግጭታት ናይ ኣብይ ኣሕመድ ውዲትዩ፡’ ‘ተወላዶ ኣምሓራ ግዳይ ዝኾኑ ዘለዉ፡ ኣብይ ኣሕመድ ንባዕሉ ኦነግ ስለዝኾነ’ዩ፡’ ዝብልን ካልእን ይርከቦ

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ደቡባዊ ክልል ኣምሓራ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ይርከብ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት እታ ሃገር፣ ናይ ብሄር ግጭታት ተጎሃሂሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ብፍላይ ኣብ መንጎ ኣምሓራን ኦሮሞን ዝካየድ ዘሎ ግጭታትን ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናንን፣ እታ ሃገር ፍጻሜ ህልቂት ርዋዋንዳ ከይትደግም ዘስግእ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚሙ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ካልእ ክልላት ክቖጻጸርን ከረጋግእን ኣይከኣለን።

ስእሊ፦ ካብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    ሓደ ጋዜጠኛ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ዘይጽሓፈስ ንስኩም ተብሃለ ዶ ተገብረ ትብሉ ኣለኩም!!