ኢትዮጵያ፣ ኣብያተ ማእሰርቲ ይቃጸል

ኢትዮጵያ፣ ኣብያተ ማእሰርቲ ይቃጸል

Radio Erena: 27 July 2018

Ethiopian prison

ምስ ናይ ምሕረት ኣዋጅ ብዝተሓሓዝ እሱራት ብዘለዓዓልዎ ናዕቢ ብውሕዱ ሰለስተ ኣብያተ ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ከምዝተቓጸለ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።

እተን ዝተቓጸላ ኣብያተ ማእሰርቲ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ኣብ ወልድያ፣ ፍኖተ ሰላምን ደብረ ማርቆስን ዝርከባ’የን።

እቲ ናይ ደብረማርቆስ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቓጸለ ዝሓበረ ጸብጻብ ዘ ሪፖርተር፣ 1200 እሱራት ከይሃድሙ ጽኑዕ ሓለዋ ይካየድ ከምዘሎ ጠቒሱ።

እቶም እሱራት፣ ብባይቶ እታ ሃገር ዝጸደቐ ናይ ምሕረት ኣዋጅ ብቴሌቪዥን ንዓና ኣብ ግምት ኣየእተወን ብምባል፣ ናዕቢ ብምልዓል’ዮም ን20 ክፍልታት ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ኣቓጺሎሞ።

እሱራት ወልድያን ፍኖተ ሰላምን’ውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ነቲ ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዘቓጸልዎ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ መቐለ’ውን ተመሳሳሊ ፍጻሜ ኣጋጢሙ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝቐረበን ብባይቶ እታ ሃገር ዝጸደቐን ናይ ምሕረት እዋጅ፣ ክሳብ ቅትለት’ውን ዝበጽሐ ከቢድ ፖለቲካዊ ገበናት ዝፈጸሙ ክፍትሑ ክውስን እንከሎ፣ ብኻልእ ዝተፈላለየ ገበናት ዝተኣስሩ ኣሽሓት ግና ጎስዩዎም ከምዝሎ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ቃሊቲ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ድማ እሱራት ኣድማ የካይዱ ምህላዎም’ዩ ተሓቢሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ንሸውዓተ ዓመታት ዋና ኣካያዲ ስራሕ ዲጋ ህዳሴ ኮይኑ፣ ነቲ ናይ 4 ቢልዮን ዶላር ፕሮጀክት ክመርሕ ዝጸንሐ ኢትዮጵያዊ ኢንጅነር ስመኘው በቀለ ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ ኣብ መኪንኡ ብጥይት ተቐቲሉ።

ፖሊስ፣ ቀተልቲ ንምርካብ ምጽራይ የካይድ ኣሎ።

ቅትለት ናይዚ ላዕለዋይ ኢትዮጵያዊ ኢንጅነር ናይቲ ምስ ግብጺ ዘሰሓሕብ ዲጋ፣ ኣብታ ሃገር ተደጕሉ ንዘሎ ፖለቲካውን ጸጥታውን ሓደጋታት ዘጉልሕ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ትንታነታቶም ይህብሉ።

 

ስእሊ፣- ኢንተርነት ኣርካይቭስ

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0