ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ክልተ ቅነ፣ ልዕሊ 11 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም

Radio Erena: 26 May 2022

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ክልተ ቅነ፣ ልዕሊ 11 ጋዜጠኛታት ከምዝኣሰረ ኣብ ኒዮርክ ዝመደበሩ ኮሚተ ምጥባቕ ጋዜጠኛታት ገሊጹ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ መብዛሕቶም እቶም ጋዜጠኛታት፣ ብ19 ግንቦት፣ ኣብ ክልል ኣምሓራን ከተማ ኣዲስ ኣበባን ብለይቲ ብሓይልታት ጸጥታ ከካብ ገዝኦም ከምዝተወስዱ ኣረጋጊጹ።

ብዝቐልጠፈ ክፍትሑ እቲ ትካል ጸዊዑ።

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፣ ኣብቲ ክልል ‘ብስም ምኽባር ሕጊ’ ኣሽሓት ሰባት ኣብ ዝኣስርሉ ዘለው እዋን’ዮም ንጋዜጠኛታት ግዳያት ቀይዲ ዝገብሩ ዘለዉ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመትን መንፈቕን፣ ጋዜጠኛታት ብብዝሒ ብምእሳር፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ስዒቡ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣቐዲሙ’ውን ንወኪል መጽሔት ዘ ኢኮኖሚስት ምስጓጉ ይዝከር።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0