‘ኢትዮጵያ፣ ኣብዘን ዝስዕባ ኣዋርሕ፣ ኣስታት 13% ካብ ህዝባ ንሓደጋ ጥሜት ክቃላዕ’ዩ።’ WFP

Radio Erena: 13 September 2021

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ዝመጽእ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፣ ኣስታት 13.6 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ንሓደጋ ጥሜት ክቓላዕ ምዃኑ፣ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣጠንቂቑ።

ኣብታ ሃገር፣ ኣብ ዝተፈላለየ ክልላት ብዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ናይ ብሄር ግጭታት፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ቁጠባዊ ዘይምርግጋእ፣ ጽልዋታት ኮረና ቫይረስን ዝፈጠሮ ሰብኣዊ ቅልውላዋት፣ ተጻባይ ረዲኤት ዝኾነ ህዝቢ በብዕለቱ እናበዝሐ ይመጽእ ኣሎ።

እቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ትካል፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ነዚ ኣብ ዝመጽእ ሒደት ኣዋርሕ ከንጸላልዩ ምዃኑ ዝገለጾ ሓደጋ ጥሜት ንምምካት፣ 426 ሚልዮን ዶላር ከምዘድሊ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ፣ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፈርን፣ ድሮ ኣስታት 7 ሚልዮን ህዝቢ ተጻባይ ረዲኤት ኮይኑ ከምዘሎ ዘተሓሳሰበ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፣ ለገስቲ ሃገራትን መሻርኽትን ዘድሊ ሓገዝ ከበርክቱ እንተዘይክኢሎም፣ ሚልዮናት ሰባት ናብ ኣፈፌት ሞት ክጽግዑ’ዮም ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ኣስታት 100 ሚልዮን ዝግመት ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ዝልዓለ ሓደጋ ጥሜት ካብ ዘንጸላለወን ሃገራት ዓለም ተባሂላ ኣብ ቅድሚ ተሰሪዓ ኣላ።

እዛ ሃገር ኣብ 1984’ውን፣ ሰብ ብዝፈጠሮን ባህራዊ ክስተትን፣ ኣብ ታሪኽ ዓለምና ሒደት መወዳርቲ ጥራይ ብዘለዎ ከቢድ ደርቂን ሓደጋ ጥሜትን ተጠቒቓ ምንባራ ኣይርሳዕን።

ስእሊ፡- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0