ኢትዮጵያ፣ ንክልተ ቆልዑ ዝዓመጸ ሰብ 25 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ

Radio Erena: 03 July 2020

ኣብ ሓያሎ ሃገራት፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግትእ፣ ህዝቢ ኣብ ኣባይቱ ክዕጾ ንዝወጸ እዋጅ ተኸቲሉ ዝተፈላለየ ገበናት ተፈጺሙ’ዩ።

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ሓደ ካብቲ ዝበዝሐ ዝተፈጸመ ገበናት፣ ዘቤታዊ ጎነጽ ክኸውን እንከሎ፣ ጾታዊ ዓመጽ’ውን ዘጠቓለለ’ዩ ኔሩ።

ንቆልዑ ግዳያት ዝገበረ ጾታዎ ዓመጽ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ተደጋጊሙ ዝተራእየ ገበን ምዃኑ ካብዘን ሃገራት ዝተመሓላለፈ ጸብጻብ የመልክት።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ንኣብነት፣ ብውሕዱ ምስዚ ገበን እዚ ብዝተተሓዘ 40 ክስታት ከምዝተመስረተ ዘ ሪፖርተር ኣብ ዓምዱ ኣስፊሩ ኣሎ።

ካብቲ ዝቐረበ ክስታት፣ እቶም ሸሞንተ ካብ 11 ክሳብ 25 ዓመታት ክእሰሩ ዝተፈርዱ’ዮም።

ብፍላይ ንደቂ 8ን 9ን ዓመት ቆልዑ ዝዓመጸ ውልቀሰብ፣ ብኹሉ’ቲ ዝተመስረተሉ ክስታት፣ ብመርትዖ ተሰንዩ ገበነኛ ኮይኑ ስለዝተረኽበ፣ ክሳብ 60 ዓመታት ክእሰር’ዩ ፍርዲ ተዋሂቡ።

ብመቕጽዒ ሕጊ ኢትዮጵያ መሰረት፣ ናብ 25 ዓመታት ከምዝተጸጋጋዓሉ’ዩ እቲ ጸብጻብ ዘረድእ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ናይ ለበዳ ኮረና ቫይረስ እዋን፣ ልዕሊ 100 ደቂታባዕትዮን ደቂንስትዮን ቆልዑ ብኣቦታቶምን ናይ ቀረባ ኣዝማዶምን ከምዝተደፍሩ ተመልኪቱ ኣሎ።

ስእሊ፣ኢንተርነት ኣርካይቭስ

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0