ኢትዮጵያ፣ ንኣስታት 11 ዓመታት ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሰለስተ ኤርትራውያን ተፈቲሖም

ኢትዮጵያ፣ ንኣስታት 11 ዓመታት ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሰለስተ ኤርትራውያን ተፈቲሖም

Radio Erena: 04 October 2017

Salih and Tesfaldet

ኣብ ኢትዮጵያ ንኣስታት 11 ዓመታት ተኣሲሮም ዝጸንሑ ክልተ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜናን ሓደ ኣባል ሚኒስትሪ ምክልኻልን ተፈቲሖም።

እቶም ሳልሕ ጋማን ተስፋልደት ኪዳነን ዝተባህሉ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜናን ከምኡ ድማ ሳምሶን ዝተባህለ ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ እስላማዊ መጋብኣያታት ሶማልን መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈነወትሉ’ዮም ኣብ 2006ናብ ሞቛድሾ ኣትዮም።

እንተኾነ፣ ድሕሪ ምድምሳስ እስላማዊ መጋብኣያታት ሶማል ብሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሞቛድሾ ዝነበሩ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ኣካላትን ብመንገዲ ኬንያ ክሃድሙ እኳ እንተፈተኑ፣ መንግስቲ ኬንያ ነቶም ኤርትራውያን ኣብ ዶብ ድሕሪ ምሓዙ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘረከቦም ይዝከር።

ካብቲ እዋን’ቲ ኣትሒዞም፣ ንኣስታት 11 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ዝሓለፈ ሰሙን ተፈቲሖም።

እቶም ኤርትራውያን ናጽ ድሕሪ ምውጽኦም፣ ኣብ ንጥፈታት ሰራዊት ዘተኮረ መደብ ዋልታ ዘዳሉ ዝነበረ ጋዜጠኛ ሳልሕ ገማ ናብ ኤርትራ ክምለስ ክውስን እንከሎ፣ ሰኣላይ ተስፋልደት ኪዳነን ኣባል ሓይልታት ምክልካል ሳምሶምን ግና ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምሕታት ክተርፉ ከምዝወሰኑ ክረጋገጽ ክኢሉ ኣሎ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ 2011’ውንብተመሳሳሊ ኣገባብ ካብ ሶማል ናብ ዞባ ኦጋዴን ዝኣተዉ ክልተ ሽወደናውያን ጋዜጠኛታት ሒዛቶም እኳ እንተነበረት፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ከምዝፈትሐቶም ይዝከር።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0