ኢትዮጵያ፣ ንኣስታት 100 ሽሕ ስደተኛታት ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥር’የ ትብል

ኢትዮጵያ፣ ንኣስታት 100 ሽሕ ስደተኛታት ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥር’የ ትብል

Radio Erena: 14 July 2017

ethiopia

ኢትዮጵያ ንኣስታት 100 ሽሕ ስደተኛታት ናይ ስራሕ ዕድል ክትፈጥር መደብ ከምዘለዋ ባንክ ዓለም ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ገሊጹ።

እታ ሃገር ነቶም ካብ ኤርትራ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሱዳንን ሶማልን ዶብ ሰጊሮም ዝኣተዉ ስደተኛታት ነቶም ኣብ ሕርሻ ዝነጥፉ ኣስታት 10 ሽሕ ሄክታር መሬት ብምዕዳል ህይወቶም ክመርሑ ዝብል እማመ ከተቕርብ እንከላ፣ ንኻልኦት ከኣ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ስራሕ መደባት ከተዋፍሮም ምዃና’ያ ትገልጽ።

ኢትዮጵያ፣ ነዚ ንምትግባር ካብ ባንክ ዓለም፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ብሪጣንያ፣ ጀርመንን ካልኦት ሃገራትን ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ትሓትት ከምዘላ’ዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ፣ ልዕሊ 80 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ኢትዮጵያ፣ ብዘይ ስራሕ ናይ ዝነብሩ ዜጋታት ብዝሒ ኣስታት 18 ሚእታዊት ስለዝበጽሕ፣ ንዜጋታታ ናይ ስራሕ ዕድል ክትፈጥር ዘይክኣለት ሃገር ንስደተኛታት ብፍሉይ ኣብ ስራሕ ከተዋፍር ኣጸጋሚ ምዃኑ’ዮም ሓያሎ ወገናት ዝሰማምዑ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 800 ሽሕ ስደተኛታት ክህልዉ እንከለዉ እቶም ኣስታት ፍርቂ ካብዚኣቶም ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ኮይኖም፣ እቶም ኣስታት 250 ሽሕ ከኣ ሶማላውያን’ዮም።

ብዝሒ ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 120 ሽሕ ዝግመት እኳ እንተኾነ፣ ኣዝዮም ብዙሓት ካብቶም ብላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ወይ UNHCR ዝተመዝገቡ ኤርትራውያን፣ ዶብ ሱዳን ብምስጋር ብመንገዲ ሊብያ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ከምዝሳገሙ’ዩ ዝንገር።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0