ኢትዮጵያ፣ ንመሸጣ ኣብ ዝዓለመ እንጀራ፣ ንጥዕና ሓደገኛ ነገራት ዝተሓወሶ 36 ኩንታል ሓርጭን 25 በርሚል ብሑቕን ተታሒዙ

Radio Erena: 10 March 2020

ኣብ ኢትዮጵያ፣ እንታይነቱ ካብ ዘይተፈልጠ ነገራት ምስ ብሑቕ ተሓዊሱ ዝሽየጥ እንጀራ እናዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ በብእዋኑ ብዝጋሃድ ፍጻሜታት ክጠቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ማዕከና ዜና ፋና፣ ትማሊ 9 መጋቢት ኣብ ዘቕረቦ ዜና ድማ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ከባቢ ቦሌ፣ ምስ ዘይተፈልጠ ነገራት ዝተሓዋወሰ 36 ኩንታል ሓሩጭን 25 በርሚል ብሑቕን ከምዝተታሕዘ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ካብዚ ንጥዕና ኣስጋኢ ዝኾነ ነገራት ዝተሓወሶ ብሑቕ ዝተሰንከተ እስታት 300 እንጀራ’ውን ንመሸጣ ከይወዓለ ተታሒዙ ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባ ንዕዳጋ ዝቐርብን ንወጻኢ ሃገራትን ድማ ናብ መሸጣ ዝልኣኽን ከም እንጀራ፣ በርበረ፣ መዓርን ጠስምን ዝኣመሰለ መግብታት፣ ንጥዕና ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ነገራት ከም መባዝሕቲ፣ መማቕርትን ከይበላሾ ነዊሕ መጽንሕን እናተሓወሶ ንዕዳጋ ይቐረብ ምህላዉ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ህዝቢ፣ ነዚ ካብ ኢትዮጵያ ዝፈሪ ዘሎ፣ ኣብ ዕዳጋታት ዝቐርብ ከም እንጀራ ይኹን በርበረ፣ መዓርን ጠስምን ዝኣመሰለ መግብታት፣ መበቆሎም ከይመመየ ካብ ምምጋብ ክቑጠብ ድማ ክኢላታት ጥዕና ይመኽሩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0