ኢትዮጵያ፣ ናይ ፈለማ ጓለነስተይቲ ፕረዚደንት ተመሪጻ

ኢትዮጵያ፣ ናይ ፈለማ ጓለነስተይቲ ፕረዚደንት ተመሪጻ

Radio Erena: 26 October 2018

Amb Sahlework

ኣምባሳደር ሳህለወርቅ ዘውዴ፣ ፈላሚት ጓለነስተይቲ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ኮይና ተመሪጻ።

ፕረዚደንት ሳህለወርቅ፣ ስርዓተ ምምሕዳር መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ 1992 ካብ ዝቐይር ንደሓር፣ ራብዓይቲ ፕረዚደንት እታ ሃገር’ያ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ስልጣን ፕረዚደንት ጽምብላዊ ኮይኑ፣ ብዝያዳ ኣብ ህዝባውን ባህላውን ዲፕሎስያዊ ንጥፈታት ንሃገሩ ብምውካል’ዩ ዝዋሳእ።

ንሓሙሽተ ዓመታት ፕረዚደንት ኮይኑ ዘገልገለ ዶክተር ሙላቱ ቶሸመ፣ ኣካል ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ንምዃን፣ ብወለንትኡ ስልጣኑ ንምሕዳግ ናብ ፓርላማ ጠለብ ከምዘቕረበ ይገልጽ።

እቲ ፓርላማ፣ ንጠለቡ ብምቕባል ንዶክተር ሙላቱ ብኽብሪ ከሰናብቶ እንከሎ፣ ትማሊ ሓሙስ 25 ጥቅምቲ ንኣምባሳደር ሳህለወቅር ዘውዴ ፕረዚደንት ክትከውን ብምሉእ ድምጺ ሸይሙዋ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቖመ ሓድሽ መንግስቲ፣ ፍርቂ ኣባላት ካቢኒ ሚኒስተራት ደቂንስትዮ ምዃነን ዝዝከር ኮይኑ፣ እታ ሃገር ኣብ እትከያዶ ዘላ ሓያሎ ለውጥታት’ውን ናይ ፈለማ ፕረዚደንት ክሸይም ክኢላ ኣላ።

ወይዘሮ ሳህለወርቅ፣ ኣቐዲማ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፈረንሳ ኮይና ከምዘገልገለት ይፍለጥ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣህጉራውያን ዞባውን ውድባት ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ከምዝሰርሐት ሰነዳታ የመልክቱ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0