ኢትዮጵያ፣ ናይ ብሄር ግጭታት እናበኣሰን ምርጫ ድማ እናተቓረበን ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፣ ካብ ቻይና ዝተላእከ ልዕሊ 186 ሽሕ ጎዞሞታት ተታሒዙ

Radio Erena: 27 April 2021

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ናይ ብሄር ግጭታት እናበኣሰን ምርጫ ድማ እናተቓረበን ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፣ ካብ ቻይና ዝተኣዘዘ ልዕሊ 180 ሽሕ ጎዞሞታት፣ ብክፍሊ ግምሩኽ ከምዝተታሕዘ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ ብናይ ሓሶት ሰነድ፣ ካብ ቻይና ተሸሚቱ፣ ብኣርባዕተ ኮንተይነራት ናብታ ሃገር ከምዝኣተወ ዝተሓበረ ጎዞሞታት፣ ንምታይ ዕላማ ክውዕል መደብ ከምዝነበሮ ምዃኑ ኣይተመልከተን።

እቲ7.7 ሚልዮን ብር ግብሪ ተኸፊልዎ ናብ ሃገር ክኣቱ ፍቓድ ረኺቡ ዝተባህለ ጎዞሞታት፣ ድሕሪ ብዝተኻየደሉ ምክትታል፣ ኩሉቲ ዝቐረበ ሰነዳት ሓሶት ምዃኑን መልኡ ድማ ስለዘስግአን ክተሓዝ ከምዝተወሰነ’ዩ ተጠቒሱ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብዘን ክልተ ዓመታት ጥራይ፣- ብጠበናጁ፣ ጎዝሞታት፣ ካራሩን ኣባትርን ዝካየድ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት ህይወት ኣሽሓት ሰባት ኣጥፊኡ ይርከብ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ክልል ኦሮሞ፣ ዞባ ጂማ ኣብ ዝተጎሃሃረ ናይ ብሄር ግጭት፣ ብውሕዱ ልዕሊ 20 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ ኣሎ።

ኣቐዲሙ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ሰሜን ሸዋ ኣብ ዝተወልዐን ገና’ውን ዝቕጽል ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝተቐትሉን ኣስታት 270 ሽሕ ድማ ቤት ንብረቶም ራሕሪሖም ከምዝተመዛበሉ’ዩ ተመልኪቱ።

ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣጣዩ፣ ኣስታት 25% መንበሪ ኣባይቲ ከምዝተቓጸለ ድሒሩ ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታ ይእምት።

ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚሙ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ካልእ ኩርንዓት እታ ሃገር ዝጎሃሃር ንዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት ከረጋግእን ጸጥታ እታ ሃገር ከውሕስን ኣይከኣለን።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0