ኢትዮጵያ፣ ነበርቲ ወራቤ፣ “ዘየህለኽናዮ ናይ ኤሌክትሪክ ክፍሊት መጺኡና” ብዝብል ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: 08 May 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ደቡብ፣ ዞባ ስልጤ ናይ እትርከብ ከተማ ወራቤ ነበርቲ ዝኾኑ ዜጋታት፣ መንግስቲ “ዘየህለኽናዮ ናይ ኤልክትሪክ ክፍሊት ኣምጺኡልና” ብምባል ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዘካየዱ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ብሰንኪ እቲ ብ7 ግንቦት ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፣ ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባ፣ ሆሳእና ኣርባምንጭ ዘመላልስ መጓዓዝያታት ከምዝተሰናኸለ እተን ማዕከናት ዜና ኣመልኪተን።

ነበርቲ ከተማ ወራቤ ነቲ ሰልፊ ከካይዱ ዘገደዶም ምኽንያት፣ ብሰንኪ ተደጋጋሚ ምቑጻር ኤሌክትሪክ ስሩዕ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክረኽቡ ኣብ ርእሲ ዘይምኻሎም፣ መንግስቲ ናይቲ ኤሌክትሪክ ዝጠፍኣትሉ እዋና’ውን ደሚሩ ሕሳብ ክኸፍሉ ብምውሳኑ ቁጠዐኦም ንምግላጽ’ዮ።

====================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0