ኢትዮጵያ፣ ነበርቲ ክልላት ቤንሻንጉልን ኦሮሚያን ተጋጭዮም

ኢትዮጵያ፣ ነበርቲ ክልላት ቤንሻንጉልን ኦሮሚያን ተጋጭዮም

Radio Erena: 25 October 2018

ethio_rayaኣብ ኢትዮጵያ፣ ጸጸኒሑ ኣብ ዝጎሃሃር ዘሎ ናይ ብሔር ግጭታት፣ ንክልላት ቤንሻንጉል ጉምዝን ኦሮምያን ኣብ ዘዋስን ከባቢታት ዝነብሩ ተወላዶ ክልቲኡ ብሄራት ግጭት ምክያዶም ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

በቲ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተወልዐ ዝተጠቕሰ ግጭጥ ሓያሎ ሰባት ከምዝሞቱን ከምዝቖሰሉን ክግለጽ እንከሎ፣ መንበሪ ኣባይትን ትካላትን’ውን ተቓጺሉ።

ኣብቲ ከባቢ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣቢሉ ብዝተኻየደ ግጭት 10ታት ሰባት ከምዝተቐትሉን 10ታት ኣሽሓት ከኣ ካብ መነባብርኦም ከምዝተፈናቐሉን ይዝከር።

ብሰንኪ እቲ ጸጸኒሑ ዝጎሃሃር ዘሎ ግጭት፣ ጸጥታ ናይቲ ኣብ ከባቢታት ምዕራብ ወለጋ ዝርከብ ዓድታት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ስለዘሎ፣ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ተሰናኺሉ ምህላዉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ ቃል የረጋግጹ።

 

================

 

 

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0