ኢትዮጵያ፣ ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይልን ዲጋ ተሃድሶን ብዝምልከት ኣብ ዋሽንግተን ዝተመደበ ዘተ ከምዘይትሳተፍ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 27 February 2020

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጉዳይ እቲ እትሃንጾ ዘላ ዲጋን ኣጠቓቕማ ወሓዚ ናይልን ብዝምልከት ሎሚ ሓሙስን ጽባሕ ዓርብን ኣብ ዋሽንግተን ክካየድ ዝተወጠነ መቕጸልታ ዘተ ከምዝይትሳተፍ ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር ኣብቲ ብመንጎኝነት ምምሕዳር ትራምፕን ባንክ ዓለምን ምስ ግብጽን ሱዳንን ከተካይዶ ዝተሓስበ መቐጸልታ ዘተ ሃንደበት ዝሰሓበትሉ ምኽንያት፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ዝርከቡ ዝምልከቶም ኣካላት እኹል ምይይጥ ኣየካየድኩን ብዝብል’ዩ።

እንተኾነ፣ ኢትዮጵያ ካብቲ መቐጸልታ ዘተ ትስሕብ ዘላ፣ ብባንክ ዓለምን ኣመሪካን ዝቐረበ እማመ ንሉኣላውነታን ሃገራዊ ክብራን ዘዋርድ ስለዝኾነ’ዩ ክብሉ ዝተፈላለዩ ወገናት ይጠቕሱ።

እዚ ብመንጎኝነት ምምሕዳር ትራምፕን ባንክ ዓለምን ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ፣ ኢትዮጵያ ነቲ ዘይዛዘመቶ ፕሮጀክት ምህናጽ ዲጋ ተሃድሶ ኣብ ዘለዎ ደው ኣቢላ፣ ኣምሳያኡ ካብ ባንክ ዓለምን ኣመሪካን ናይ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ክትቕበል ዝደፋፍእ ምዃኑ’ዮም ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ዲፕሎማሰኛታት ዝእንፍቱ።

ፕረዚደንት ግብጺ ዝሓለፈ ሰሙን ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ዝመርሖ ፍሉይ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ካይሮ ድሕሪ ዘካየዶ ዕጹው ዘተ፣ ግብጺ፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘከራኽራ ዘሎ ስምምዕ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ክትዕወት ምዃና ገሊጹ ኔሩ’ዩ።

ኢትዮጵያ ካብቲ ዝጀመረቶ ዘተ ብሃንደበት ምስሓባ፣ ካብ ምምሕዳር ትራምፕን ባንክ ዓለምን ከቢድ ጸቕጢ ክወርዳ ከምዝኽእል ይግመት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0