ኢትዮጵያ፣ ብዶባት ዝኣቱ ዘሎ ጠበናጁ ጸጥታዊ ስግኣት ይፈጥር

ኢትዮጵያ፣ ብዶባት ዝኣቱ ዘሎ ጠበናጁ ጸጥታዊ ስግኣት ይፈጥር

Radio Erena: 06 November

ethi_gun controlብዶባት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ ሶማልን ኬንያን ናብ ኢትዮጵያ ይውሕዝ ኣሎ ዝተባህለ ጠበናጁ ኣብ ኢትዮጵያ ጸጥታዊ ሻቕሎት ይፈጥር ከምዘሎ ተገሊጹ።

ፖሊስ እታ ሃገር ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ጥራይ ልዕሊ ክልተ ሸሕ ጠበናጁን ሸጉጥን ከምኡ ድማ ኣርፒጂ ዝርከቦ ዝተፈላለየ ኣጽዋር ተታሒዙ ኣሎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ብመንገዲ ዶብ ሱዳን፣ ብመተማ ኣቢሉ፣ ኣብ ቦጣት ተሓቢኡ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ኣማኢት ፈኮስቲ ኣጽዋር (ካላሽናትን ሸጓጉጥን) ሓደ መርኣያ ናይዚ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ንማዕከን ዜና ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቲ ዝኣቱ ዘሎ ብመተማ ጥራይ ዘይኮነ፣ ብሞያለ፣ ብጅጂጋ፣ ብጋምቤላን ብሑሞራን ኣቢሉ’ውን ተመሳሳሊ ዘይሕጋዊ ጠበናጁ ይኣቱ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

እቲ ናብ ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣቱ ዘሎ ጠበናጁ፣ ኣብታ ሃገር ጸጸኒሑ ኣብ ዝጎሃሃር ዘሎ፣ ምስ ብሄር ዝተተሓሓዘ ግጭታት ከምዝውዕል’ዩ ዝንገር።

ኣብ ናይ ለውጢ መድረኽ ዝርከብ ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ጸጥታዊ ርግኣት እታ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ከውሕስን ዶባት ክቖጻጸርን ኣይከኣለን ዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0