ኢትዮጵያ፣ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ፋብሪካ ሽኮር፣ ግንባር ሓርንነት ኦሮሞ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ደው ምባሉ ተገሊጹ

Radio Erena: 18 February 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ፋብሪካ ሽኮር፣ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፣ ካብ 9 ለካቲት ኣትሒዙ ስርሑ ደው ከምዘበለ ተገሊጹ።

መርበብ ሓበሬታ ብሉምበርግ፣ ንኮርፐረሽን ሽኮር ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ብዘቕረቦ ዜና መሰረት፣ እቲ ኣብ ክልል ኦሮሚያ፣ ሆሮ ጉድሪ ኣብ ዝተባህለ ዞባ ወለጋ ዝርከብ፣ ፊንጫ ፋብሪካ ሽኮር፣ ፍርያቱ ደው ከብል ዝተገደደ፣ በቲ መጥቃዕቲ፣ ሰፊሕ ክፋል ሕርሻ ቃንጫ ሽኮርን ትራክተራትን ስለዝተቓጸላ’ዩ።

ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ ኣብ ፊንጫ ፋብሪካ ሽኮር፣ ተደጋጋሚ እዋን ፈተነ መጥቃዕታት ኣካይዱ’ዩ ዝበለ እቲ ዜና፣ ብሰንኪ ግጭታትን ዘይርጉእ ጸጥታን፣ እኹል ነዳዲ ክበጽሖ ስለዘይክኣለ፣ ክሰናኸል ምጽንሑ ኣገንዚቡ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዘሎ ዓበይቲ ፋብሪካታት ሽኮር ምዃኑ ዝንገረሉ ፊንጫ፣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝውነን ኮይኑ፣ ዓመታዊ ኣስታት 270 ሽሕ ቶን ሽኮር ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዝጸንሖ ይግለጽ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ17 ለካቲት ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ብወገኑ፣ እቲ ፋብሪካ ንሓደ ሰሙን ተቛሪጹ ከምዝጸንሐ ብምጥቃስ፣ ስርሑ ምጅማሩ ገሊጹ።

ደው ዝበለሉ ምኽንያት ብሰንኪ መጥቃዕቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ’ዩ ንዝብል ግና ነጺግዎ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0