ኢትዮጵያ፣ ብውሕዱ ኣብ 25 ዩኒቨርሲታት ናይ ብሄር ግጭታት ምጕህሃሩ ተገሊጹ

Radio Erena: 27 November 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ካብ ዝርከባ 45 ዩኒቨርስታት፣ ኣብተን ኣስታት 25 ናይ ብሄር ግጭታት ምኽሳቱ ሚኒስተር ሳይንስን ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትን ፕሮፌሰር ሂሩት ወልደማርያም ገሊጻ።

ንሳ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዩኒቨርስታት እታ ሃገር ተጓሃሂሩ ዘሎ ግጭታት ብዝምልከት ምስ ኣባላት ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘካየዶ ምምይጥ፣ ዪኒቨርስታት መተዃቶኺ፣ ናይ ፖለቲካ፣ ሃይማኖትን ብሄርን ጎነጽ ክኸውን ከምዘይብሉ ኣመልኪታ።

ኣብ ዩኒቨርስታት ኢትዮጵያ፣ በብእዋኑ ኣብ ዝተጎሃሃረ ግጭት ሓያሎ ተማህሮ ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ኮይኖም’ዮም።

እቲ ናይ ብሄር ግጭታት ካብ ሓንቲ ዩኒቨርስቲ ናብ ካልእ ዩኒቨርስቲ እናልሓመ፣ ዝበኣሰ ሞትን ዕንወትን ከየብጽሕ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ስግኣቶም ይገልጹ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ እባ ክልል ኦሮሞ ኣብ እትርከብ ዩኒቨርሲቲ ኣዳማ ኣብ ዝተጎሃሃረ ግጭት ብውሕዱ ሽዱሽተ ተማሃሮ ቆሲሎም ኣብ ሕክምና ተዓቝቦም ይርከቡ።

እቲ ኣብ ዩኒቨርስታት እታ ሃገር ተጓሃሂሩ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት፣ ደው ክብል እንተዘይክእሉ፣ መንግስቲ ክሳብ ምዕጻወን ዝበጽሕ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምጥንቃቑ ይዝከር።

ዝበዝሐ እቲ ናይ ብሄር ግጭታት ተኸሲትሉ ዘሎ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞ’ዩ።

ክልል ትግራይ፣ ድሕነትን ጸጥታን እታ ሃገር ክረጋጋእ ብዘይምኽኣሉ ፣ ተወላዶ እቲ ክልል ንዝኾኑ ተማሃሮ ኣብ ካልኦት ክልላት ናብ ዝርከባ እቲ ዪኒቨርስቲ ከምዘይልኽ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0