ኢትዮጵያ፣ ‘ብብልሽውና ዝተጠርጠሩ’ዮም’ ዝተባህሉ ሰበ ስልጣንን ነጋዶን ይእሰሩ

ኢትዮጵያ፣ ‘ብብልሽውና ዝተጠርጠሩ’ዮም’ ዝተባህሉ ሰበ ስልጣንን ነጋዶን ይእሰሩ

Radio Erena: 27 July 2017

arrest

ኢትዮጵያ፣ ብብልሽውና ዝተጠርጠሩ’ዮም ዝተባህሉ ልዕሊ 30 ሰበ ስልጣን መንግስትን ነጋዶን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተገሊጹ።

ንወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶክተር ነገሪ ሌንጮ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ብዘቕርብኦ ዘለዋ ጸብጻብ መሰረት፣ ብብልሽውናን ምጥፍፋእን ዝተኸሰሱ ሓያሎ ሰበ ስልጣንን ነጋዶን ብሰሉስ 25 ሓምለ ኣብ ቁጽጽር ውዒሎም ከምዘለዉ ኣረጋጊጻ።

እንተኾነ መንነቶምን ዝነበሮም ጽፍሕን ግና ኣይተሓበረን።

 

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብብልሽውና ዝተጠርጠሩ ሰበ ስልጣንን ነጋዶን ዝኣስር ዘሎ፣ ኣብታ ሃገር ብጉዳይ ወሰኽ ግብሪ ዝተላዕለ ተቓውሞታት ህዝቢ ንምዝሓል፣ ሓድሽ ውሳኔታት ኣብ ዘሕልፈሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ኣብ ንኣሽቱ ናይ ንግዲ ትካላት ንዝተዋፈሩ ዜጋታት እታ ሃገር ዝተሰልዐ ኣከፋፍላ መጠን ግብሪ ዘቖጠዖም ኢትዮጵያውያን፣ ትካላቶም ብምዕጻው ኣድማ ከካይዱ ከምዝቐነዩ’ዩ ዝግለጽ።

ካብ ጥቅምቲ 2016 ኣትሒዙ ንዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ እዚ ብጉዳይ ግብሪ ዝጎሃሃር ዘሎ ተቓውሞታት ካልእ መልክዕ ከይሕዝ መንግስቲ ንምፍዃሱ ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ ይንገር።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0