ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ዋሕዲ ባጤራ፣ ባንክታት ልቓሕ ምሃብ ደው ከብላ ተገዲደን

Radio Erena: 25 January 2023

ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ብሰንኪ ዘሎ ዋሕዲ ባጤራ፣ ባንክታት ልቓሕ ምሃብ ደው ከብላ ከምዝተገደዳ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

ጠንቂ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ዋሕዲ ባጤራ፣ ነጋዶን ኣውፈርትን ብዝሒ ገንዘብ የውጽኡ ብምህላዎም ዝተፈጥረ ምዃኑ ንሓለፍቲ ባንክታት ብምጥቃስ እቲ መርበብ ዜና ኣገንዚቡ።

ባንክታት፣ ብዙሕ ገንዘብ ኣብ ዘንቀሳቕሱ ዓማዊል ጥንቃቐ ክገብራ ተሓቢሩ ኣሎ።

ኢትዮጵያ፣ ኣጋጡሙዋ ብዘሎ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው፣ ዓመታዊ ዝቕባበኣ ልዕሊ 33% በጺሑ ምህላዉ ይፍለጥ።

መጠን ሸርፊ ናይ ወጻኢ ባጤራ ብመንጽር ብር ድማ ናይ ልዕሊ 40% ወሰኽ ኣርእዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ሓደ ዶላር ኣመሪካ፣ ኣብ ባንክታት ኣስታት 55 ብር ክሽረፍ እንከሎ፣ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ግና ልዕሊ70 ብር ይግምገም ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንኣማሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ፣ ይናገሩ ደሴ ካብ ስልጣን ብምእላይ፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብሓድሽ ኣማሓዳሪ ተኪእዎ ኣሎ።

ምስጓግ እቲ ንማእከላይ ባንክ እታ ሃገር ክመርሕ ዝጸንሐ ኣማሓዳሪ ምስቲ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ገንዘብ ቅልውላው ከምዝተሓሓዝ ዝተፈላለዩ ወገናት ይእምቱ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0