ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ናይ ብሄር ግጭታት 35 ሽሕ ተማሃሮ ካብ ዩኒቨርስታቶም ሃዲሞም

Radio Erena: 14 February 2020

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዩኒቨርስታት ተጓሃሂሩ ብዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት፣ 35 ሽሕ ተማሃሮ፣ ትምህርቶም ብምቑራጽ ነናብ ዓድታቶም ከምዝሃደሙ ብቋንቋ ፈረንሳ ዝዝርጋሕ ማዕከን ዜና ጋዜጣ ለ ሞንድ ሓቢሩ።

ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከባ 45 ላዕለዋይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ብውሕዱ ኣብተን 22 ናይ ብሄር ግጭታት ብምልዕዓሉ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዘን ተዓጽየን ይርከባ።

ብኣመሪካ ተመዊሉ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ፣ ንህሉው ኩነታት ላዕለዋይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ዝግምግም ዋዕላ፣ ድሕሪ ናይ ልደት ዕረፍቲ ኣስታት 35 ሽሕ ተማሃሮ ናብ ዩኒቨርስታቶም ክምለሱ ከምዘይክኣሉ’ዩ ኣረጋጊጹ።

ምስዚ ኣብ ዩኒቨርስታት ኢትዮጵያ ተጓሃሂሩ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት ተተሓሒዙ፣ ተጨውየን ዝርከባ ደቂንስትዮ ተማሃሮ ደምበዲሎ፣ ጉዳየን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ፍታሕ ክረክብ ኣይክኣለን።

መብዛሕቱ እቲ ኣብ ዩኒቨርስታት ኢትዮጵያ ተጓሃሂሩ ዘሎ ግጭታት ኣብ መንጎ ብሄራት ኣምሓራን ኦሮሞን’ዩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0