ኢትዮጵያ፣ ብሃንደበት ባጤራ ምቕያራ፣ ኣብ ቁጠባ ሃስያ ክህልዎ ከምዝኽእል ተገሊጹ

Radio Erena: 15 September 2020

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንህዝቢን ፊናንስያውያን ትካላትን ከይሓበረ፣ ብሃንደበት ባጤራ ናይ ምቕያር ስጉምቲ ምውሳዱ፣ ኣብ ቁጠባ ሃስያ ክህልዎ ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።

እቲ መንግስቲ፣ ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ 110 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ፣ ኣብ ገጠራት ዝነበር ክነሱ፣ ሃንድበታዊ ናይ ባጤራ ምቕያር ምትግባሩ፣ ናብ ዘይተደልየ ገልታዕታዕን ክሳራታትን ከውርዶ ከምዝኽእል’ዩ ተሓቢሩ።

ባጤራ፣ ዕዳጋ እናሓለወን፣ ምዝንባዕ ከይፈጠረን ኣብ መስርሕ ምስ ዝቕየር’ዩ ውሕስነት ዝህልዎ ዝበሉ ተንተንቲ፣ ከምዚ ዓይነት ሃንደበታዊ ምቕያር ግና፣ ክህረም ዝተደለየ ፖለቲካዊ ዕላማ እንተዘይኮይኑ፣ ንቁጠባ ሃስዩ ምዃኑ የስምርሉ።

ቁጠባ ኢትዮጵያ ድሮ’ውን ብሰንኪ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት እታ ሃገርን ለበዳ ኮረና ቫይረስን እናተሃስየ ክመጽእ ጸኒሑ’ዩ።

ባጤራ ኢትዮጵያ፣ ምስ መንጽር ዶላር ከንቆልቁል ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እዚ ሕጂ ተኣታትዩ ዘሎ 200 ጥቕሉል ናይ ወረቐት ገንዘብ ዘጠቓለለ ሓድሽ ብር’ውን ነዚ ምንቁልቛል’ ዚ ከድሕንን ዝቕባበ ከውግድን ተስፋ ከምዘይብሉ ይግምገም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ’ውን ካብ ባንክታት ክንቀሳቐስ ዝኽእል ገንዘብ ዝድርት ኣዋጅ ምውጽኡ ይዝከር።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0