ኢትዮጵያ፣ ባንክታት 20% ካብ ዘለቅሐኦ ብዝሒ ገንዘብ፣ ወርሓዊ ኣብ ሃገራዊ ካዝና ከቐምጣ ዘገድድ ኣዋጅ ወጺኡ

Radio Erena: 03 November 2022

ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፣ ባንክታት እታ ሃገር 20% ካብ ዘለቅሐኦ ብዝሒ ገንዘብ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ፣ ኣብ ሃገራዊ ካዝና ከቐምጣ ዘገድድ ኣዋጅ ኣውጺኡ።

እተን ባንክታት፣ ናብ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ከቕምጠኦ ዝግደዳ ዘለዋ ብዝሒ ገንዘብ፣ ኣብ ሓሙሽተ ዓመታት ከምዝምለሰለን’ዩ እቲ ኣዋጅ ዝገልጽ።

ወለድ ናይቲ ናብ ሃገራዊ ባንክ ዘቕመጥኦ ብዝሒ ገንዘብ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ክወሃበን ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

እዚ ኣዋጅ’ዚ ብዘይካ ንባንክ ሃገራዊ ልምዓት ንኻልኦት ኣብታ ሃገር ዝርከባ ባንክታት ንኹለን ዝምልከት’ዩ።

ባንክታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ሓደ ሚእታዊት ካብ ዘለቅሐኦ ብዝሒ ገንዘብ፣ ናብ ባንክ ሃገራዊ ልምዓት ከቐምጣ ክግደዳ ጸኒሐን’የን።

እዘን ባንክታት፣ ናብ ሃገራዊ ባንክ ከረክብኦ ዝግደዳ ብዝሒ ገንዘብ፣ ብድምር 21% ክኸውን እንከሎ፣ 7% ድማ ውሕስነት ተባሂሉ ብመንግስቲ ስለዝተሓዝ፣ ናይቲ ባንክታት ኢትዮጵያ ናብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ዘውሕዘኦ ብዝሒ ገንዘብ ብጠቕላላ 28% ምዃኑ’ዩ ተመልኪቱ።

ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፣ ነዚ ካብ ባሕቲ ሕዳር 2022 ኣትሒዙ ግብራዊ ዝኸውን ኣዋጅ ዘሕልፍ ዘሎ፣ መንግስቲ ነዚ ዓመት እዚ ካብ ዝሰልዖ ናይ 787 ቢልዮን ብር ባጀት፣ ኣስታት 308 ቢልዮን ብር ስለዝጎደሎ ምዃኑ ዘ ሪፖርተር ሓቢሩ።

ካዝና ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፣ ነታ ሃገር ንክልተ ኣዋርሕ ናይ ደገ ሸመተ ንምክያድ ዘኽእል፣ ኣስታት 1.6 ቢልዮን ጥራይ ተሪፍዎ ከምዘሎ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምግላጹ ይዝከር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ባንክታት እታ ሃገር፣ ‘ቀዳምነታት ዘየድልዮ’ ተባሂሉ ንዝተዘርዘረ 40 ነገራት ንዘእትዉ ነጋዶ፣ ናይ ወጻኢ ባጤራ ከይህባ ዝግድብ ኣዋጅ፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ ኣውጺኡ’ዩ።
========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0