ኢትዮጵያ፣ ቁጽሪ ናይ ዝተመዛበለ ህዝቢ ይዓርግ

ኢትዮጵያ፣ ቁጽሪ ናይ ዝተመዛበለ ህዝቢ ይዓርግ

Radio Erena: 13 September 2018

ethi displacedኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ካብ መነባብሮኦም ተመዛቢሎም ዘለዉ ሰባት ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በጺሑ ከምዘሎ ኣህጉራዊ ትካል ኣይ.ዲ.ኤም.ሲ. ገሊጹ።

እቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንዝተመዛበሉ ኣህዛብ ዓለም ዝከታተል ትካል ናይ 2018 ጸብጻቡ ኣብ ዘቕረበሉ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ከባቢ 1.4 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ቤት ንብረቱ ተመዛቢሉ እኳ እንተሎ፣ ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ስኢኑ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

ቆንስል ስደተኛታት ኖርወይ ኤን.ኣር.ሲ ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ብብሄርን ካልእን ዝተላዕለ ግርጭታት ዘመዛበለን ስድራቤታት ኣብ ከቢድ ናይ መነባብሮ ህይወት ከምዘለዋ፣ እንተኾነ ማሕበረሰብ ዓለም ሓገዝ ኣብ ምግባር ኣዝዩ ደንጉዩ ከምዘሎ ይገልጽ።

ብፍላይ ኣብ 2018 ዳግማይ ዝተላዕለ ግርጭታት ብሄራት ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ዞባታት ኦሮምያን ሶማሊን ዝጀመረ ግጭት ብሄራት ብምቕጻሉ፣ ንልዕሊ 1.4 ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብሮኦም ክመዛበሉ ከምዘገደዶም እዩ ዝግለጽ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ መግለጺኡ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ቀንዲ ምኽንያት ዝኾነ ግጭታት ኣብ ምፍታሕን ሰላምን ጸጥታን ኣብ ምውሓስ ልዑል ተራ ይጻወት እኳ እንተሎ፣ እቶም ተመዛበልቲ ዋላ’ውን ናብ ዓድታቶም እንተተመልሱ፣ ዝጽበዮም ንብረት ይኹን ንዋት ስለዘየሎ፣ ዳግማይ ንኽጣየሱ ፋይናንያዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም ሓቢሩ።

ኣብ ግዚያዊ መጽለሊ መዓስከራት ናይ ዝመጹ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ኣዝዩ ብዙሕ ስለዝኾነ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን፣ ከም መግቢ፣ ማይን ሕክምናዊ ረዲኤትን ንኹሉ ምቕራብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኮይኑ ከምዘሎ’ዮም ኣህጉራውያን ትካላት ረዲኤት ዘመልክቱ።

በዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ኣብ ብሄር ዝተመርኮሰ ግርጭት፣ ዶባት ዞባታት ኦሮምያን ሶማሊን ካብቶም ኣዝዮም ዝተሃስዩ ከባቢታት ምዃኖም’ዩ ዝግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0