ኢትዮጵያ፣ ሰራዊታ ናብ ሶማል ትልእኽ

ኢትዮጵያ፣ ሰራዊታ ናብ ሶማል ትልእኽ

Radio Erena: 03 November 2017

ethiopian soldieres

ኣሽሓት ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ሶማል ከምዝኣተዉ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እተን ማዕከናት ዜና ንናይ ዓይኒ መሰኻክር ብምጥቃስ ኣብ ዘቕርብኦ ዘለዋ ዜና፣ ብታንክታት ዝተሰነየ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሩ ናብ ውሽጢ ሶማል ከምዝኣተወ ኣመልኪተን።

ኢትዮጵያ ናብ ሶማል ሰራዊታ ከምዝልኣኸት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ምርግጋጹ ኣሶሸትድ ፕረስ ጠቒሱ።

እንተኾነ ብዝሒ ናይቲ ናብ ሶማል ዝተዋፈረ ሰራዊት ኣየነጸረን።

ኢትዮጵያ ሰራዊታ ናብ ሶማል ትልእኽ ዘላ፣ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ኣስታት 500 ሰባት ግዳያት ዝገበረ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዱ፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ናብ ኢትዮጵያ ብምብጻሕ ሓገዝ ድሕሪ ምሕታቱ’ዩ።

 

ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል ዝነበረ ሰራዊታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድሕሪ ምስሓባ፣ ኣልሸባብ ንሓያሎ ከባቢታት ክቆጻጸር ምኽኣሉ ይዝከር።

እቲ ናብ ሶማል ተዋፊሩ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጎኒ’ቲ ድሮ ኣብታ ሃገር ዝርከብ መብዛሕትኡ ወትሃደራት ኡጋንዳ ዝሓቖፈ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ድዩ ክጽንበር ወይስ ንበይኑ ስርሒታት ከካይድ’ዩ ዝተፈልጠ ነገር የለን።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0