ኢትዮጵያ፣ ምህማም መሬት 23 ሰባት ቀቲሉ

ኢትዮጵያ፣ ምህማም መሬት 23 ሰባት ቀቲሉ

Radio Erena: 29 May 2018

ethiopia

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት 23 ሰባት ከምዝሞቱ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።

እቲ ብቀዳም 27 ግንቦት፣ ኣብ ደቡባዊ ክልል ኦሮምያ ዘጋጠመ ምህማም መሬት፣ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ዝሰዓበ’ዩ።

እቲ ሽዱሽተ ሄክታር ዝሸፈነ ባህርያዊ ሓደጋ፣ ሽዱሽተ ሰባት ግዳያት መቑሰልቲ ክገብሮም እንከሎ ልዕሊ 30 ዝኾና መጽዓኛ፣ ከብትን ጤለ በጊዕን ከኣ በቲ ምህማም መሬት ከምዝተደፍና እተን ማዕከናት ዜና ኣመልኪተን።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ህቦብላ ዝተሓወሶ ዘይንቡር ዝናብ ክኽሰት ምዃኑ ክኢላታት ሜትዮሮሎጂ ከጠንቅቑ ጸኒሖም’ዮም።

ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ኣብ ሶማል ብውሕዱ 25 ሰባት ብህቦብላ ከምዝተቐትሉ ይዝከር።

እቲ ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ቀይሕ ባሕርን ገለ ክፋል ህንዳዊ ውቅያኖስን ከስፍሕፍሕ ምዃኑ ዝተነጸረ ህቦብላ፣ ኣብ ዖማን’ውን ሸውዓተ ሰባት ቀቲሊ’ዩ።

እቲ ህቦብላ ኣብ ጅቡትን የመንን’ውን ከምዝተራእየ እኳ እንተተሓበረ፣ ኣብ ህይወት ይኹን ንብረት ዘውረዶ ዕንወት ግና ኣይተገልጸን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0