ኢትዮጵያ፣ ምህማም መሬት ብውሑዱ 12 ሰባት ቀቲሉ

ኢትዮጵያ፣ ምህማም መሬት ብውሑዱ 12 ሰባት ቀቲሉ

Radio Erena: 05 September 2018

eth landslideኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ደቡብ ብዘጋጠመ ናይ መሬት ምህማም ብዉሑዱ 12 ሰባት ከምዝሞቱ፣ ኣገልግሎት ዜና’ታ ሃገር ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ዞባ ኣልታየ ኣለሙ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ምህማም መሬት ብሰሉስ 4 መስከረም ብዝሃረመ ከቢድ ማይ ዝሰዓበ ምዃኑ ገሊጹ።

 

ንሱ ብተወሳኺ፣ በቲ ምህማም መሬት ቁጽሩ ብልክዕ ዘይተፈልጠ ኣባይቲ ክቕበር እንከሎ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዶላራት ዝግመት ንብረት ከምዝዓነወ ኣመልኪቱ።

ኣባላት ፖሊስ’ቲ ዞባን ህዝቢ’ቲ ከባቢን ተቐቢሮም ክህልዉ ዝኽእሉ ሰባት ንምድላይ፣ ናይ ህይወት ኣድሕን መስርሕ የካዪዱ ኣለዉ።

ኮሚሽን ሓደጋን ህጹጽ ረዲኤትን ኢትዮጵያ፣ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም፣ ምህማም መሬት ከስዕብ ዝኽእል ዝናብን ዕልቕልቕን ክህሉ ከምዝኽእል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምጥንቃቑ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0