ኢትዮጵያ፣ ሓወልቲ ንጉስ ሓይለስላሴ ተሃኒጹ

ኢትዮጵያ፣ ሓወልቲ ንጉስ ሓይለስላሴ ተሃኒጹ

Radio Erena: 11 February 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሓወልቲ ንጉስ ሃይለስለሴ ተሃኒጹ።

እቲ ሓልወቲ፣ ትማሊ ሰንበት 10 ለካቲት፣ ብምኽንያት 32 ስሩዕ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ’ዩ ተመሪቑ።

እቲ ሓወልቲ፣ ንዝኽሪ ናይቲ ንጉስ ሃይለስላሴ፣ ኣብ ምምስራት እቲ ሕብረት ዝነበሮ ኣበርክቶ ንምግላጽ ዝዓለመ’ዩ ተባሂሉ።

እንተኾነ፣ እቲ ንልዕሊ 44 ዓመታት ንኢትዮጵያ ዝመርሐ ንጉስ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፣ ህልቂትን ግፍዕታት ከምዝፈጸመ ኣይርሳዕን።

ብሰንኪ እቲ ናይ ንጉስ ሃይለስላሴ ግፍዕታት፣ ሓያሎ ዓድታት ኤርትራ ከምዝተቓጸላ፣ ኣሽሓት ኣዴታት ምስ ደቀን ከምዝተረሸናን መንእሰያት ኣብ ጎደናታት ከምዝተሓንቁን ኣብ ትሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ተሰኒዱ ዝርከብ ሓቂ’ዩ።

ኣባል እዚ ሓወልቲ ሃይለስላሴ ኣቝሙ ዘሎ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾነት ኤርትራ፣ ንምህናጽ እቲ ሓወልቲ ኣመልኪታ ዘስምዓቶ ናይ ተቓውሞ ይኹን ናይ ደገፍ መግለጺ ኣይተፈልጠን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0