ኢትዮጵያን ጅቡቲን፣ ብዛዕባ ምቛም ሓይሊ ባሕሪ ዝበጽሐኦ ስምምዕ ከምዘየለ ተገሊጹ

Radio Erena: 11 December 2019

ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኣብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋጽ ዘተኮረ ሓያሎ ስምምዓት ከምዝኸተማ ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

እዚ ዝተሓበረ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ኣደም መሓመድ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ድሕሪ ዘካየዶ ምብጻሕ’ዩ።

ጀነራል ኣደም ምስ ጅቡታዊ መዘንኡ ጀነራል ዘካርያ ሸኽ ኢብራም፣ ብ21 ሕዳር ኣብ ከተማ ጅቡቲ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፣ ክልትኤን ሃገራት፣ ክተሓባበራሉ ኣብ ዝኽእላ ወትሃደራዊ መደባት ብዕምቆት ዘትዩ።

እንተኾነ፣ ክልኤትን ሃገራት ብዛዕባ ምቛም ሓይሊ ባሕሪ ብዝምልከት ዛጊት ዝበጽሐኦ ስምምዕ ከምዘለየ ምንጭታት ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣረጋጊጸን።

ብመሰረት እተን ምንጭታት፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለን፣ ብዛዕባ ተኽእሎ ምምስራት ሓይሊ ባሕሪ ብምትኳር እኳ እንተተመያየጡ፣ ግና ዝተበጽሐ ውዱእ ስምምዕ ከምዘየለ ኣፍሊጠን።

ምቛም ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፣ ብፈረንሳ ስለዝካየድ’ውን፣ ፈረንሳ ዘይብሉ ክልትኣዊ ውዕል ጎረባብቲ ሃገራት ጥራይ ግብራዊ ከምዘይከውን ዲፕሎማሰኛታት የረድኡ።

ኢትዮጵያ፣ ብሓገዝ ፈረንሳ እተቝሞ ዘላ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ጅቡቲ ክድኮን ምዃኑ ዘ ካፒታል ዝተባህለት ጋዜጣ እታ ሃገር ምሕባራ ይዝከር።

ብኣንጻሩ፣ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ምስ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ መጽሔታት ፈረንሳ- ዤን ኣፍሪክ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ወደብ ባጽዕ ከምዝድኮን ጠቒሱ ምንባሩ’ውን ኣይርሳዕን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0