ኢትይጵያን ሱዳንን ኣብ ዶባተን ሓባራዊ ሰራዊት ከቑማ ምዃነን ተገሊጹ

ኢትይጵያን ሱዳንን ኣብ ዶባተን ሓባራዊ ሰራዊት ከቑማ ምዃነን ተገሊጹ

Radio Erena: April 8, 2014

Sudan Ethio

ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ኣብ ዶብ ክልትኤን ሃገራት ዝሰፍር ሓባራዊ ሰራዊት ከቑማ ከምዝተሰማምዓ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ኣቶ ሲራጅ ፌጌሳ ንፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስተር ኣብ ጸብጻቡ፣ ኢትዮጵያ ብዘይካ ምስ ኤርትራ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ተመሳሳሊ ስምምዓት ከምዘለዋ ብምምልካት፣ እቲ ኣብ ዶብ ዝቐውም ሓባራዊ ሰራዊት፣ ንናይ ሓባር ተጻብኣቶታት ንምምካት ዝዓለመ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

 

ንሱ ብተወሳኺ፣ ኣብቲ ንፓርላማ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ግብጺ ኣብ ልዕሊ እቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዓቢ ዲጋ፣ ወትሃሃደራዊ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ትኽእል’ያ ዝብል እምነት ከምዘየሎ ኣረዲኡ።

ግብጺ ወትሃደራዊ ስጉምቲ ከም ኣማራጺ እንተወሲዳቶ ግና ኢትዮጵያ ክፍነወላ ካብ ዝኽእል መትቓዕቲ ንምክልኻል እኹል ዓቕሚ ከምዘለዋ ገሊጹ።

ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዘይካ ኣብ ዶባተን ዝምስርትኦ ሓባራዊ ሰራዊት፣ ኣብ ስለያን ምልውዋጥ ሓበሬታ ዘተኮረ ስምምዓት’ውን ኣቐዲመን ከምዝኸተማ’ዩ ዝግለጽ።

ሱዳን’ውን ኣቐዲማ ኣብቲ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘዳውባ ከባቢታት ንዘጋጥም ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂሰብ ኣጽዋርን ንምግታእ ሓባራዊ ሰራዊት ከተቕውም ምዃና ከምዝሓበረት ብሬድዮ ኤረና ተቃሊሑ’ዩ።
===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0