ኢሰል ዝተባህለ ኩባንያ ህንዲ ኣብ ከባቢ ባዳ ዕደና ፖታሽ ክጅምር’ዩ

ኢሰል ዝተባህለ ኩባንያ ህንዲ ኣብ ከባቢ ባዳ ዕደና ፖታሽ ክጅምር’ዩ

Radio Erena: 12 August 2015

Danka

ኢሰል ዝተባህለ ኩባንያ ህንዲ፣ ኣብ ኤርትራ ከባቢ ባዳ ዳህሳስ ዕደና ፖታሽ ከካይድ ፍቓድ ረኺቡ።

እቲ ኩባንያ፣ 736 ትርብዒት ኪሎሜተር ኣብ ዝሽፍን ከባቢ ደንካልያ ካብ ወርሒ ጥቕምቲ ኣትሒዙ ኩዕታ ክጅምር ምዃኑ ማይኒንግ ዊክሊ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣፍሊጡ።

ክሳብ መፋርቕ 2016 ዘሎ ግዜ ድማ ንቀዳመይ ደረጃ ናይቲ መስርሕ ከጻፍፍ ትጽቢት ከምዘሎ ኣካያድ ስራሕ እቲ ኩባንያ ጋጋን ጎል ሓቢሩ። 

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኬንያ፣ ቻድን ጊኒን ኣብ ዕደና ተዋፊሩ ዝርከብ ኢሰል፣ ኣብቲ ዘይተበርበረ ጸጋታት ማዕድን ከምዘለዎ ከባቢታት ባዳ ዕደና ከካይድ ፍቓድ ምርካቡ፣ ንዕዳጋ ብርኪ እቲ ኩባንያ ከምዘዕበዮ’ውን ጋጋን ጎል ኣረዲኡ።

 

ኢሰል፣ ኣብ ባዳ ዕደና ከካይድ ፍቓድ ምርካቡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዘሎ ማዕድን ማይ ምርካብ ተስፋታት፣ ፍርያት ንምልኣኽ ኣብ ዘሎ መስርሕ ናብ ወደብ ቅርበት ዘለዎ ብምዃኑ’ውን ተወሳኪ ብልጫ ምዃኑ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ይጠቕስ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዕደና ዝተፈላለየ ማዕድናት ዝተዋፈራ ልዕሊ 16 ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኩባንያ ዕደና ቢሻ ፍርያቱ ናብ ዕደጋ ካብ ዘቕርብ ዓመቱ ከሕልፍ እንከሎ፣ ኩባንያ ዕደና ዛራ ድማ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መስከረም ፍርያታ ናብ ዕዳጋ ምልኣኽ ክጅምር’ዩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0